Sunday, August 14, 2016

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ ጨርቆስ ኣብ ምህናፅ ዝርከብ ናይ ኣዲስ ኣበባ ባህልን ቱሪዝምን ቢሮ ህንፃ፣ ብ2ተ ነሓሰ 2008 ዓም ገለ ክፋሉ ተደርሚሱ፣ ሓደ ሰብ እንትመዉት፣ 10 ሰባት ድማ ከቢድ ጉድኣት ከም ዝወረዶም ተገሊፁ።



ናይ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ባህልን ቱሪዝምን ቢሮ ይስራሕ ዘሎ ህንፃ ናብቲ ህንፃ መዉፅኢ መሳልል ኣብ ኣሰራርሕኡ ዘይድልዱን ዘይፁሩይን ቅድሚ ዓመት ዝተሰርሐ ኮይኑ፣ ሕዚ እቲ ህንፃ ይስራሕ ኣብ ዘለሉ እዋን ድማ መሳርሒ ንብረት ሒዞም ናብቲ ህንፃ ይድይቡን ይወርዱን ዝነበሩ መዓልታዊ ሰራሕተኛታት፣ እቲ መሳልል ክፆሮም ብዘይ ምኽኣሉ ሒዝዎም ከም ዝተደርመሰ ተፈሊጡ።
እቲ ክፋል ናይቲ ህንፃ 11 ሰባት ሒዙ ብምድርማሱ እቶም ጉድኣት ዝበፅሖም ወገናት ኣብ ዘዉዲቱ ሆስፒታል ኣትዮም ናይ ሕክምና ርዳእታ ይግበረሎም ከም ዘሎ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፣ ሓደ ወዲ 24 ዓመት መንእሰይ ድማ ከም ዝሞተ ክፍለጥ ተኻኢሉ።
እቶም ዝተረፉ 10 ጉድኣት ዝበፅሖም ወገናት ድማ፣ ጉድኣቶም ከቢድ ብምዃኑ ኣብቲ ሆስፒታል ደቂሶም ዘለዉ ኮይኖም፣ ካብ መንጎ እቶም ከቢድ ጉኣት ዝበፅሖም ድማ ሓደ ናይ ዩኒቨርስቲ ናይ ኣርባዕተ ዓመት ተሃራይ ኢንጅነሪን ዝርከቦም ኮይኑ፣ ንሱ ናብቲ ህንፃ ዝኸደሉ ምኽንያት በቲ ዝማሃረሉ ዩኒቨርስቲ ዝተዉሃቦ ናይ ሓደ ወርትሒ ግብራዊ ልምምድ (አፓረንትሺፕ) ንምግባር ኣብ ዝኸደሉ እዋን እቲ ሓደጋ ከም ዝበፅሖ ክፍለጥ ተኻኢሉ።
እቲ ህንፃ ኣብ መጀመርታ ወርሒ መስከረም 2008 ዓ/ም ዝተጀመረ ኮይኑ፣ ክሳብ ሕዚ ድማ ብሰንኪ ናይ ፅሬትን ጥንቃቐን ጉድለታት 16 ሰባት ከም ዝሞቱ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።  

No comments:

Post a Comment