Sunday, September 25, 2016

ናይ ህወሓት ማእኸላይ ኮሚቴ ንሕሉፍ 15 ዓመታት ዝግምግም ተሃድሶ ብዝብል ዘካይዶ ዘሎ ኣኼባ ውፅኢቱ ለውጢ ኣልቦ እዩ ክብሉ ዝተፈላለዩ ሙሁራትን ተንተንቲ ፖሎቲካን ኣብ ምግላፅ ይርከቡ ኣሎው።



ብመሰረት እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ከም ዘርድኦ፣እቲ ነታ ሃገር ወኪሉ ዘመሓድር ዘሎ ገዛኢ ስርዓት ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ተሃድሶ ብዝብል ናይ ኢህወደግ ፈፃሚት ስራሕ ገምጋም ኣካይዱ ብዘይዝኾነ ለውጢ ዝተዛዛመ ኮይኑ መቐፀልታ ናቱ ድማ እተን ናይ ኢህወደግ ኣባል ውድባት ኣብ ነናይባዕለን ናይ ተሃድሶ ገምጋማዊ ኣኼባ ኣኻይደንን ኣብ ምክያድን ይርከባ ኣለዋ ዝበለ እቲ ሓበሬታ ፣ውድብ ህወሓት ድማ ኣካል ናይዚ ብምዃኑ ተሃድሶ ብዝብል ዘካይዶ ዘሎ ገምጋማዊ ኣኼባ ከምቶም ሕሉፋት መድረኻት ተነኻኺኡን ተሸፊኑን ክሓልፍ እንተዘይኮይኑ ዝፍጠር ለውጢ ከምዘይለ ዝተፈላለዩ ሙራትን ተንተንቲ ፖሎቲካን ኣብ ምግላፅ ከምዝርከቡ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ወሲኹ ከም ዘርደኦ፣ገዛኢ ስርዓት ኢህወደግ እቲ ን25 ዓመታት ሙሉእ ዓፊኑዎ ዝፀንሐ መሰረታዊ ሕቶታት ህዝቢ ሎሚ ብኹሉ ኣንፈታት ተባሪዑ ኣብ ዘሎሉ ግዜ ፍታሕ ምምፃእ ተሳኢንዎ ብሓይሊ ብረትን ማእሰርትን ኣብ ዝምልሰሉ ዘሎ እዋን ሎሚ ለውጢ ኣብ ዘይብሎም መድረኻት እናኸፈተ ቁጥዐ ህዝቢ ብዝያዳ ዘለዓዕል እዩ ምስበለ እቲ ሕዚ ተሃድሶ ብዝብል ብኣርባዕቲአን ኣባላት ውድብ ኢህወደግ ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ እውን ብዝገደደ መልክዑ ተስፋ ዘቑርፅ ምዃኑ ድማ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።

No comments:

Post a Comment