Sunday, September 25, 2016

ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ነበርቲ ከተማ ሑሞራ ብሕፅረት ፁሩይ ዝስተ ማይን ሓይሊ መብራህትን ተሸጊሮም ከም ዘሎው ንምፍላጥ ተኻኢሉ።



ብመሰረት እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ፣ነበርቲ ከተማ ሑሞራ ዝኾኑ ወገናት ንዓመታት ዝኣክል ብሰንኪ ሕፅረት ፅሩይ ዝስተ ማይን ሓይሊ መብራህትን እናተሸገሩ ኣብ ማሕበራዊ ናብሮኦም ከቢድ ፅዕንቶ ኣናፈጠረሎም ከም ዝመፀ ድሕሪ ምግላፅ፣ ሕቶኦም ድማ ንዝምልከቶም ኣካላት ዘቕሩቡ እኳ እንተኾኑ ፣ነቲ ፀገም ተረዲኡ መሰረታዊ ፍታሕ ዘምፅእ ምምሕዳራዊ ኣካል ብሰንኪ ዘምርካቦም እቲ ሽግር ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናገደደ ከም ዝመፀ ነበርቲ ከተማ ሑሞራ ኣብ ምግላፅ ይርከቡ።
እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ከም ዘርደኦ እቲ ጥርዓንን ሕቶን ህዝቢ ኣብ ዝፍጠሩ መደረኻት ህዝቢ ብቐፃሊ ዝለዓሉ እኳ እንተኾኑ፣ ነዚ ሽግር ህዝቢ ግን ንግዝያዊ መጠበሪ ተባሂሉ ብፀግን ፀግን ተሰሪሑ ይበሃል 'ሞ ተባላሽዩን ኣገልግሎቱ ኣቋሪፁ ክበህልን ሓደ ይኸውን ብምብል ኣፍሊጡ።
ኣብ መዎዳእታ እቲ ብህዝቢ ዝቐርብ ዘሎ ጠለባት ብህፁፅ መሰረታዊ ዝኾነ ፍታሕ ክመፅእ እንተዘይኺኢሉ እቲ ህዝቢ ኮፍ ኢሉ ፍታሕ ዝፅበየሉ እንግድዓ ይኹን ዓቕሊ  የቡሉን ክብል ድማ ኣፍሊጡ።

No comments:

Post a Comment