Wednesday, September 28, 2016

ናብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዝተመደቡ ተምሃሮ ናይ ምደባ ቦታ ንምቕያር ብሓለፍቲ ትምህርቲ ናይቲ ስርዓት ክፍሊት እናተሓተቱ ምዃኖም ተፈሊጡ።



ብመሰረት ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣብ ክልላት ኦሮሞን ኣምሓራን ንኣዋርሕ ዝቐፀለ ህዝባዊ ተቓውሞ ኣብዚ ሕዚ እዋን እናተባርዐ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ስዒቡ ኣብዚ ዓመት ናብ ዝተፈላለዩ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዝተመደቡ ተምሃሮ ናይ ምደባ ቦታ ንምቕያር ብላዕለዎት ሓለፍቲ ክፍሊ ትምህርቲ ናይቲ ስርዓት ገንዘብ ክኸፍሉ እናገበሩ ከምዘለው ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ኣብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ክፍሊ ትምህርቲ እቲ ስርዓት ግዕዝይና ገኒኑ ኣሎ ዝበለ እቲ ሓበሬታ፣ ሓደ ተምሃራይ ናብ ዝደለዮ ዩኒቨርሲቲ ንምቕያር ክሳብ ዓሰርተ ሽሕ ብር ንክኸፍል ከምዝሕተት ድማ ገሊፁ።
እቲ ሕዚ ኣብ ሃገርና ኣጋጢሙ ዘሎ ናዕብን  ዘይምርግጋእን ስዒቡ ድማ እቲ ስርዓት ድሕሪ ትምህርቲ ምጅማር ናይ ተምሃሮ ተቃውሞ ክለዓል እዩ ብዝብል ስግኣት ምስ መምህራንን ወለዲ ተምሃሮን ኣብ ሓያል ኣኼባ ተፀሚዱ ከምዝርከብ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።


No comments:

Post a Comment