Monday, September 12, 2016

ውድብ ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ ዴምህት ካብ 28 ናሓሰ 2008 ዓ/ም ክሳብ 04 ጳጉሜን 2008 ዓ/ም ዕዉትን ታሪኻውን 2ይ ውድባዊ ጉባኤ ብምስላጥ ብዓወት ከም ዝዛዘመ ፖለቲካዊ ቤት ፅሕፈት ዴምህት ኣፍሊጡ።



ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ ዴምህት ኣብ 2007 ዓ/ም መወዳእታ ማዓልታት ካብ ዘጋጠሞ ናይ ኣቦ-ወምበር ሞላ ኣስገዶም ህድማ ተበጊሱ ንኣስታት ሓደ ዓመት ኣብ ውሽጢ ሰራዊት ሰፋሕቲ ፖለቲካዊ ስራሕቲ እናሰረሐ ውሽጣዊ ኣሰራርሓታቱን መቃለሲ ውድባዊ ፕሮግራሙን ከስፍሕን ከፅፍፍን ድሕሪ ምፅናሕ ካብ 28 ናሓሰ 2008 ዓ/ም ጀሚሩ ንሸውዓተ ማዓልታት ዝቐፀለ መድረኽ ብምስላጥ 2ይ ውድባዊ ጉባኤ ብዓወት ዛዚሙ።
ፀላኢ ብዝዘርኦ መርዛም ፖለቲካ ውድብ ዴምህት ሕሙማትን ድኹማትን ጥራሕ እዩ ሒዙ ተሪፉ ዝብል መፀለምታ ንድልዳለ ሰረት ቃልሲ ዴምህት ንዘይፈልጡ ውሱናት ወገናት ከደናግር ፈቲኑ ከም ዝነበረ ዝዝከር እዩ ዝበለ ፖለቲካዊ ቤት ፅሕፈት ዴምህት፣ ላዕለዎት ኣመራርሓን ታሕተዎት ተጋደልትን ዴምህት፣ ንናይ ፀላኢ ፕሮፖጋንዳ እዝኒ ከይሃቡ ውሽጣዊ ኩነታቶም ክፍትሹ ድሕሪ ምፅናሕ ዕውት 2ይ ውድባዊ ጉባኤ ዴምህት ከካይዱ በቒዖም ኣለዉ ክብል ኣፍሊጡ።
ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ ዴምህት ኣብዚ ዘሳለጦ ውድባዊ ጉባኤ ነቲ ውድብ ክመርሑን ናብ ዝሐሸ ባይታ ከሰጋግሩን ዝኽእሉ ንክልቲኡ ፆታ ማእኸል ዝገበሩ ሕብረ ብሄራዊ ኣመራርሓ ፍፁም ዴሞክራሲ ብዝኾነ ኣሰራርሓ ብምምራፅ ኣብ ታሪኹ ሓድሽ መዝገብ ከስፍር ክኢሉ ኣሎ።
እዞም ብሓፋሽ ተጋዳላይ ዝተወከሉ ጉባኤተኛታት 2ይ ውድባዊ ጉባኤ ዴምህት ንሸውዓተ ማዓልታት ዝቐፀለ ዓሚቕ ዘተን ክትዕን ብምክያድ ነቲ ውድብ ከስርሕዎ ዝኽእሉ ብርክት ዝበሉ ለበዋታትን ውሳነታትን ብምሕላፍ ብ4 ጳጉሜን 2008 ዓ/ም ጉባኤ ብወግዒ ዛዚሞም።
ኣብቲ ባዓል ዝተሳተፉ ዕዱማት ኣጋይሽን ተዓዘብትን ድማ ፀላኢ ጨሪሶም ክበርሱ እዮም እናበለ ጥፍኣትኩም የማዕድወሉ ኣብ ዘሎ ወቕቲ ከምዚ ኢልኩም ሓይልኩም ክትወፁን ሃገራት ‘ውን ክደፍረኦ ዘይካኣላ ዴሞክራስያዊ ናይ መረፃ መድረኽ ክትከፍቱን ምኽኣልኩም መርኣያ ብሩህ መፃኢ ናይቲ ውድብ ከም ዝኾነ ተረዲእና ኣለና ክብሉ ገሊፆም።
ክቡራትን ክቡራንና ካብ ሎሚ ጀሚርና ኣብ ዘለዉ ናይ ፈነወ ሰዓታትና እምባኣር ን2ይ ውድባዊ ጉባኤ ዴምህት ዝድህስሱ ሰፋሕቲ ምድላዋት ሒዝናልኩም ክቐርብ ከም ዝኾነ፣ ክፍሊ ሚድያ ዴምህት ይገልፅ። ዜና በዚ ተፈፂሙ።
ካብዚ ስዒቡ ዝቐርብ ምድላውና እምባኣር ምስ መፅሄት ብስራት ሕታም ቁ.24 ዘላሊ ሓፈሻዊ ዳህሳስ እዩ ክኸውን ፈለማ ግን መፅሄት ብስራት ሒዛቶ ዝወፀት መግለፂ ክነቐድም ኢና ሰናይ ምክትታል። 

No comments:

Post a Comment