Monday, September 12, 2016

ህዝብታት ሃገርና በዓል ቁዱስ ዮውሃንስን ሓዱሽ ዓመትን ብናህሪ ዕዳጋታትን ስግኣትን ከም ዘኽበሮ ክፍለጥ ተኻኢሉ።



ህዝብና ዓመት መፀ ካብ ኣረጊት ዓመት ናብ ሓዱሽ ዓመትን ቅዱስ ዮውሃንስን ክሰጋገር ከሎ ዝተፈላለዩ ተስፋታት ሰኒቑ መደባት ሓንፂፁ ብሕጉስ መንፈስን ፍሳሃን ምስ ስድርኡን ጎረባቡቱን እሂን ምሂን ተበሃሂሉ እናውዐሎ ከም ዝመፀ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ካብ ቀረባ ዓመታት ኣትሒዙ ብፋላይ ድማ ኣብዚ ሕዚ እዋን በዓል ቁዱስ ዮውሃንስን ሓዱሽ ዓመትን ብናህሪ ዕዳጋታትን ስግኣትን ከም ዘኽበሮ ክፍለጥ ተኻኢሉ።
 ምስቲ ካብ እዋን ናብ እዋን ዝፍጠር ዘሎ ናዕብታት ተኸቲሉ በቲ ናይቲ ስርዓት ሉኡኻት ሓይልታታ ፀፅታ  ዝጠፍእ ዘሎ ሂወት ኑፁሃት ወገናት እናበኣሰ  መፍትሒ ስኢኖም ናብ ዝኸፈአ ሕድሕዳዊ ግጭትን ምትፍናንን እናምርሑ ዜጋታት ተንቀሳቒሶም ኣብ ካልእ ክልል ንክሰርሑን ክነብሩን ከቢድ ስግኣትን ወጥርን ዓሲሉ ከምዘሎን ኢሉ እውን እቲ ዝሕምበብ ዘሎ ናህሪ ዋጋታት ኣውደኣመት ይኹን ካልኦት በዓላት ኣብ ዝመፀሉ ካብቲ ዝነበሮ እናበኣሰ ኣብ ማሕበራዊ ሂወት ዜጋታት ከቢድ ቅሉውላው እናፈጠረ ከምዝመፀ ዝፍለጥ ኮይኑ;

ናይዚ  ዓመት መእተዊ  ተጎዛጒዙ ኣብ ዕዳጋታት ዝተርኣየ ዘይሙዕሩይ ወሰኽ ዕዳጋ ነቲ ካብ ኢዱ ናብ ኣፉ ዝመሓደር ዘሎ  ህዝብና ድማ ንፀገም ዝቃላዕ ዘሎ እንትኸውን  ብሰንኪ ግዕዙይን ኣዕናውን ፖሊሲ ኢህወደግ ተፈጢሩ ዘሎ ፖሎቲካዊ ቅልውላውን ሕድሕዳዊ ግጭትን ዘላቒ መፍትሒ   ብምስኣኖም ነቲ ሕዚ ተፈጢሩ ዘሎ ናህሪ ዕዳጋ ምኽንያት ከምዝኾነ ተፈሊጡ።



No comments:

Post a Comment