Friday, October 28, 2016

ህዝቢ ትግራይ ብስርዓት ኢህወደግ ዝተወፅዐ ህዝቢ ምኻኑ ስለዝፃሓፈ ጥራሕ ንክልተ ዓመት ሙሉእ ብዘይ ፍርዲ ተኣሲሩ ክሳቐ ከምዝፀንሐ ኣቶ ኣብራሃ ደስታ ገሊፁ።



ብመሰረት ዝተረኸበ ሓበሬታ ህዝቢ ትግራይ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑፀሩ መላምል ደቁ  ምእንተ ፍትሒን ማዕርነትን ክብሉ ዝተሰውእሉ ዕላማ ብስርዓት ህወሓት ኢህወደግ ምጥላሙ ከይኣክል ኣብ ልዕሊኡ ወፅዓ ይደራረቦ ምህላው ስለዝፃሓፈ ጥራሕ ን2 ዓመት ሙሉእ ብዘይገበን ተኣሲሩ ክሳቐ ከምዝፀንሐ ኣባል ማእኸላይ መርሕነት ውድብ ዓረና ትግራይ ዝኾነ ኣቶ ኣብራሃ ደስታ ንሬድዮ ኣሜሪካ መደብ ቋንቋ ትግርኛ ካብ ዝሃቦ ቃል ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ሓቀኛ ምስሊን መነባብሮን ህዝቢ ትግራይ ብምግላፀይን ጥራሕ ንህዝቢ ትግራይ ኣለዓዒልካ ብዝብል ምኽንያት ክእሰር ተፈሪደ ዝበለ ኣቶ ኣብራሃ ደስታ፤ኣስዒቡ ድማ ኣብቲ ዝፀንሐሉ ቤት ማእሰርቲ ፍፁም ኢ-ሰብኣዊ ዝኾነ ኣተሓሕዛ እሱራት ምህላው ድሕሪ ምግላፅ፤ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ንኽትዛረቦ ዘፀግም ብዙሕ በደልን መግረፍትን ከምዝበፅሖ ገሊፁ።

No comments:

Post a Comment