Friday, October 28, 2016

ብዕጡቛት ሓይልታት ደቡብ ሱዳን ካብ ክልል ጋምቤላ ተጨውዮም ዝተወሰዱ ህፃናት 68 ሃላዋቶም ክሳብ ሕዚ ከምዘይተፈለጠ ጉጅለ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዘካየዶ ሓዱሽ መፅናዕቲ ኣፍሊጡ።



ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ክልል ጋምቤላ ወረዳታት ጂካውን ላሬን ካብ ዝነበሩ 13 መንደራት ውሽጢ ፣ካብ ደቡብ ሱዳን ሰሊኾም ዝኣተው ዓሌት ሙርሌ ዝኾኑ ዕጡቓት ሓይልታት ብዝፈፀሙዎ ኣረሜናዊ መጥቃዕቲ ልዕሊ 200 ወገናት ከም ዝቐተሉን ልዕሊ 100 ዝኾኑ ድማ ከም ዘቑሰሉ ዝፍለጥ እዩ ዝበለ እቲ ሓበሬታ ፣ኣብቲ እዋን ብመንግስቲ ካብ ዝተውሃበ መግለፂ 125 ዝኾኑ ህፃናት ተጨውዮም ከም ዝተወሰዱ ዝገለፀ እኳ እንተኾነ ፣ብጉጅለ መፅናዕቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝወፀ ሓዱሽ ፀብፃብ ግን 159 ህፃናት ተጨውዮም ከም ዝተወሰዱን ክሳብ ሕዚ ድማ እቶም 68 ህፃናት ሃለዋቶም ኣበይ ከም ዘሎው ኣይፍለጡን ክብል ፀብፂቡ።
እቲ ብጉጅለ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝወፀ ሓዱሽ መፅናዕቲ ከም ዝገለፆ ፣ካብ ክልል ጋምቤላ ተዓፊኖም ዝተወሰዱ ህፃናት ብወገን መንግስቲ ን 2 ኣዋርሕ ዝኸውን ብዝገበሮ ናይ ምምላስ ፃዕሪ 91 ዝኾኑ ህፃናት ጥራሕ ከም ዝተመለሱ ድሕሪ ምግላፅ ፣ነቶም ዝተረፉ ህፃናት በቲ ስርዓት ናይ ምምላስ ይኹን ናይ ምድሓን ፃዕሪ ከም ዝተቛረፀን ቡኡ ልክዕ ድማ 68 ዝኾኑ ህፃናት ክሳብ ሕዚ ኣብ ኢድ እቶም ጨውዮም ዝወሰድዮም ሓይልታት ምህላወም እኳ እንተገለፁ  ኣበየናይ ከባብን ቦታን ሰፊሮም ከም ዘሎው ክሳብ ሕዚ ፃዕርታት ይገብር ከም ዘሎ ወሲኹ ገሊፁ።




No comments:

Post a Comment