Thursday, November 24, 2016

መድረኽ ኣራስሑኒ!!



መራሕቲ ህወሓት ነቲ ከይጠምዩ ዓንጊሉ፣ ከይዓርቁ ከዲኑ፣ ከይቖሩ ኣብ ህድሙኡን ገበልን ኣእትዩ ዘሞቖምን ሓብሒቡ ዘዕቦዮምን ህዝቢ ትግራይ ድሕሪ ዓወት፣ ፍረ መስዋእቱን ስንክልንኡን ብላሽ ኮይኑ፣ ንመጋበርያ ዕድመ ስልጣንን ረብሓን ጠላማት መራሕቲ ኢህወደግን መጠበሪ ነቶም ትማሊ ዝሓርድዎ ዝነበሩ ዓመጸኛታትን ክውዕል ምግባሮም ዝፍለጥ እዩ።
ህዝቢ ትግራይ ልዕሊ ማንም ደሙዩን ሰንኪሉን ዝተኸሎ ስርዓት ልዕሊ ማንም ህዝቢ፣ ተጠቃምነቱን ረብሕኡን ክስእን፣ ክደኪ፣ ፍትሒ ክሓርሞ፣ ዴሞክራስያውን ሰብኣውን መሰላቱ ክዕፆ፣ ክፅላእ፣ ሓሳባቱ ዝገልፀሉ ነፃ መደረኽን ሚድያን ክረክብ ዘይተዓደለ ብድርብ ወፅዓ ዝሳቐ ህዝቢ ንክኸውን ድማ መራሕቲ ህወሓት ታሪኽ ዘይርስዖ በደል እናፈጸሙ መጽዮም ኣለዉ
ሎሚ እቶም ወኪል ህዝቢ ትግራይ ኢና በሃልቲ ኣመራርሓ ህወሓት ነቲ ዝፈፀምዎ ክሕደትን ሕዚ እውን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘውርድዎ ዘለው ሰይጣናዊ ተግባራትን በደልን ከምኡ እውን ብሰንኮም ብዝተኣጎደ ባርዕ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሕ ዘሎ ዕንወትን ስቓይን ገና እውን ኣብ ልዕሊ ውፁዕ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኣንፃላልዩ ዘሎ ሓደጋ ንምክልኻል ህዝቢ ከም ህዝቢ ውሕስናን ዘላቒ ረብሓን ዝረኽበሉ ተግባራት ምንዳይ ገዲፎም ህልውና ስልጣኖም ንምውሓስ በቢ እዋኑ መቑፀሪ ዘይብሎም መድረኻት እናዳለው ሞዴል ገባር ሞዴል ሰራሕተኛ እናበሉ ብዝዕድልዎ ሽልማት ህዝቢ ከደናግሩን ጠላዕ ክጻወቱን ጸኒሖም እዮም

ከም መቐጸልታ ናይዚ ድማ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ማለት ብ11 ሕዳር 2009 ዓ/ም “ልምዓታዊ ሰራዊት ምሕደራ ሃፍቲ ብምህናጽ ጉዕዞ ህዳሰና ነደልድል” ብዝብል መሪሕ ቃል ብቢሮ ትልምን ፋይናንስ ዝተዳለወ መድረኽ ኣራስሑና ከሳልጡ ተዓዚብና ዕላማ እዚ ሽልማት ነታ ክልል ይሕምስ ካብ ዘሎ ኣባይ ወልዱ ከም ዝሰማዕናዮ ኣብ ቢሮ ትልምን ፋይናንስ ተቖጺሮም ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ብዘመዝገብዎ ጽፉፍ ኣሰራርሓን ህዝባዊ ውግንናን መሰረት ናይ ኣፍልጦ ሽልማት ዝዋሃበሉ እዩ እኳ እንተበሉና ቀንዲ ዕላምኡ ግን መድረኽ ኣራስሑና እዩ ነይሩ።
እዚ ድማ እቶም ዕባይቲ መራሕቲ ህወሓት ሃፍቲ ህዝቢ ትግራይን ክልልና በሊዖም ስለ ዝገበሉን ካብ ታሓታትነት ህዝቢ ከም ዘየምልጡ ስለ ዝተረደኦምን ነቶም ዳሓን ዝኾነ ኣሰራርሓ ዝጸንሖም ውሑዳት ደቂ ህዝቢ ንሕና በሊዕና ጸጊብና ኣለና እሞ ተረፍና ተኻፈሉ በሊዕኹም ድማ ኣፍኩም ሓዙልና ኮታ ኣራስሑና ዝብል መልእኽቲ ዝሓዘለ መድረኽ እዩ ነይሩ
ርግጽ እዩ ትልሚ ክንብል ከለና ሓንቲ ሃገር ትጓዓዞ ርሕቐት ዘነጽር እዩ ብዘይ ትልሚ ዝምራሕ ዝኾነ ይኹን ስራሕ ግን ከቶ ክዕወት ኣይኽእልን ብዘይትልሚ ትምራሕ ሃገር ድማ ብቐንዱ ከመይ ከም ትዓኑ ‘ውን ኣይትፈልጥን መራሕቲ ህወሓት ድማ ብትልሚ ኢና ንምራሕ እንተበሉና ከየግረመልና ኣይተረፈን ትግራይ ብትልሚ ትምራሕ እንተትኸውን ኣብ ትግራይ እዚ እዋን ክውድኡ እዮም ተባሂሎም ተተሊሞም ዝተጀመሩ ግን ድማ ሓደ ስዳሮ ንቕድሚት ከይከዱ ካብ ትልሚ ወጻኢ ጨበረር ጠፊኦም ዘለዉ ተጀሚሮም ዝተቛረጹ ስራሕቲ ክንደይ ይኾኑ

ሎሚ ኣብ ትግራይ ተጀሚሩ ዝተኾልፈ ኣብ መፈጸምእቱ ዘይበጸሐ ስራሕ ኣለና ኢለን ዘየማርራ ጣብያታት የለዋን እቲ ሓቂ እዚ እንተዳኣ ኮይኑ እዞም ብሰንበት ኣብ ኣዳራሽ ሓወልቲ ሰማእታት ካብ ዝተፈላለዩ ጣብያታት ትግራይ ከም ዝመጹን ከም ዝተወከሉን እዮም ተባሂሎም ካብ ንህዝቢ ምውጋንን ምግልጋልን ዝዓቢ ክቡር ዋጋ የለን ንህዝቢ ዝወገነ ካብ ኣፍ ህዝቢ ክምንጥል ናብ ግዕዝዩን ብልሽውን ኣሰራርሓ ኣይኣቱን ዝብል ምኽሪ እናተዋህቦም  ካብ ኢድ ቅድሳን ነጋን ኣባይ ወልዱ ናይ ጽፉፍ ስራሕ ምስክር ወረቐትን ኣን ክሳድ ዝንጥልጠል ሓጺንን ገንዘብን ክሽለሙ ዝዋዓሉ ሰራሕተኛታት ዳኣ ኣበየኖት ጣብያታት እዮም ይሰርሑ ነይሮም? ተተባሂሉ ሓላፊ ቢሮ ትልምን ፋይናንስን ትግራይ ኣይተ ብርሃኑ ጽጋብ መረዳእታ ዘለዎ መልሲ ከቕርብ ኣይኽእልን

ኣባይ ወልዱ ኣብቲ መድረኽ ተረኺቡ ያኢ ልቢ ህዝቢ ክትንክፍ ቃላት ኳሓሒሉ ዲስኩር ኣስሚዑ ነይሩ፦ “ብንቕሓት ተቓሊሱ ከቢድ መስዋእቲ ዝኸፈለ ህዝብና ናይ ትማልን ሎምን ጸላእትና ውዲት ንሓዋሩ ብምቕባር ርሑቕ ኣሚቱ ኣመዛዚኑ ብውሕሉል ቃልሱ ዘካይድ ዘሎ ህዝብና ውድብን መንግስትን ብክልተ ኢዱ ደጊፉ ሓብሒቡ ኣጠናኺሩ ዘሎ ህዝብና ካብ ዝነበሩና ጉድለታት ተናጊፍና ክንክሕሶን ቅሳነት ክረክብ ክንገብሮን ካብ ልቢ ወሲንና ንሰርሓሉ እዋን ሎሚ ብምዃኑ ነዚ ንምትግባር ዳግም ቃል ኣቲና ክንወፍር ክላበወኩም ይፈቱ” ዝብል መደረ ኣቕሪቡ ነይሩ

ህዝብና እዚ ቃል እዚ ን25 ዓመታት መድረኽ ኣብ ዝተኸፈተሉ ቁጽሪ ተመጊብዎ እዩ ንምዃኑ ህወሓት ክሳብ ሎሚ ኣበይ ስለ ዝጸንሐ እዩ ንህዝቢ ንውግነሉ እዋን ሎሚ እዩ ዝብል ዘሎ መራሕቲ ህወሓት ወዮ ዳኣ ምስሉይነት ተኸዲንካ መደረ ዘይጸገብዎ ኮይኖም እምበር ህዝብና 'ማ ባዕልኹም ዝፈጠርኩምዎ ሓደጋን ዘጋዕዘኹምዎ ኣሰራርሓን ሎሚ ኣብ ሕድሕድ ሴክተራት ዘሎ ኣባልኩም ንዓ ተረፍ ፅጋብና ሰሪቕና ዘዋህለልናዮ ገንዘብ ህዝቢ ክነጥዕመካ እሞ ኣፍካ ዕበሰልና ኢኹም ትብሉ ዘለኹም፣ እዚ ውዲት እዚ ናብቲ ሕዚ ተፈጢሩ ዘሎ ሓደጋን ጥፍኣትን ኣቃሊዑና ኣሎ፣ እናሻዕ ብዝደጋገም መድረኽ ኣራስሑና ዝደናገር ህዝቢ የለን እናበለ ኣትሪሩ እዩ ዝቃወም ዘሎ ወዮ ዳኣ ድምጺ ውጹዕ ዝሰምዕ እዝኒ ኣይተዓደሉን እምበር

ሎሚ ህዝብና መድረኽ ከፊቱ ዝጉይልን ካብ ኣዳራሽ ምስ ወጸ ዝርስሖም ጭርሖታት ዝደጋግምን ውድብ ኣይኮነን ዝደሊ ዘሎ ህዝብና ካብቲ በጀት የለን እናብሃለ ኣዋርሕ ሓሊፉ ዓመታት ብሕፅረት ፅሩይ ዝስተ ማይ ካብ ምስቓይ ዘናግፎ ብፀገም ሓይሊ መብራህቲ ዝበፅሖ ዘሎ ተደራራቢ ሽግር ዝፈትሓሉ፣ ኢሉ እውን ኣብ መዋሰኒ ክልላት ዘሎ ፍታሕ ዝሰኣነ ቅርሕንቲ ናብ ወለዶታት ከይሰግር መዕለቢ ክገብረሎም ዝኽእል ሰናይ ምምሕዳር ብተግባር እምበር ብፈኸራ ኣይዓስልን ንዝብሉን ካልኦት መሰረታዊ ፀገማቱ ቅልጡፍ ምላሽ ክረክብ ንዓመታት እናቕረቦም ዝመፀን ዘሎን ሕቶታቱ ብዘይ ውዓል ሕደር ፍታሕ ክገብረሉ ዝኽእል ህዝባዊ መንግስቲ እዩ ክትከል እዩ ዝሓትት ዘሎ።

እዚ ድማ ካብቲ ብደው ክቕበር ተዳልዩ ኣብ ዘመተ መድረኽ ኣራስሑና ተዋፊሩ ዘሎ ውክልና ህዝቢ ዝተነፍጎ ኣመራርሓ ህወሓት መሰረታዊ ለውጥን ፍታሕን ክመፅእ እዩ ኢልካ ዘይሕሰብ ስለ ዝኾነ፣ ብዘካይዶም ዘሎ ናይ ቀቢፀ ተስፋ ተግባር ከይተደናገርና ኩልና ደለይቲ ለውጢ ዝኾንና ውጹዓት ኣብ ሓደ ክንሓብር ጎደና ጥፍኣት ከይቀደመና ጎደና ለውጢ ክነቃንዕ ይግባእ።  

No comments:

Post a Comment