Tuesday, November 8, 2016

ማሕበር መናእሰይ ትግራይ ኣብ መንእሰያት ንዝርኣዩ ፀገማት ኣለልዩ ዘይፈትሕን ንመንእሰያት ትግራይ ዘይውክልን ምዃኑ ዝተፈላለዩ መንእሰያት መረረቶም ኣብ ምግላፅ ከም ዝርከቡ ተፈሊጡ።



ብመሰረት ዝተረኸበ ሓበሬታ ማሕበር መናእሰይ ትግራይ ኣብ ጐኒ መንእሰያት ደው ዘይበለን ነቲ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ መንእሰያት ገኒኖም ዝርኣዩ ዘለው ስእነት ስራሕ፤ ተጠቃምነት መሰረተ ልምዓትን ከምኡ እውን ብካድረታት ህወሃት ኢህወደግ ኣብ ልዕሊኡ ንዝወርዶ ዘሎ ግፍዕን ጭቆናን እናረኣየ ከም ዘይራኣየ ዝሓልፍን ብምዃኑ ዝተፈላለዩ መንእሰያት ትግራይ ኣብቲ ማሕበር እምነት ከም ዘይብሎም ይግለፅ ኣሎ።
   ማሕበር መናእሰይ ትግራይ ንዓና ንመንእሰያት ዝጣበቕን ፀገማትና ኣለልዩ ዝፈትሕን እንተ ዝኸውን ነይሩ ኣብዚ ሕዚ እዋን መንእሰያት ተጋሩ ናብ ስደት ዓዲ ጓና ክውሕዙን ኣብ ፍቖዶ በረኻታትን ምድረበዳታትን ንፀገማት ክቃልዑን ኢሉ እውን ብሸፋቱ ክሕረዱን ኣይምኽኣሉን ነይሮም ዝበሉ እቶም መንእሰያት፤ እቲ ማሕበር ካብቶም መናእሰይ ናይ ማሕበር እናበለ ገንዘብ ክእክብን ንመሕበጢ ጅባ ካድረታት ህወሓት ከውዕልን እንበር ሓንቲ መዓልቲ እውን ትኹን እንታይ ፀገም ኣሎ ኢሉ ኣዘራሪቡና ኣይፈልጥን ክብሉ ኣረዲኦም።




No comments:

Post a Comment