Wednesday, November 30, 2016

ኣብዚ ቅንያት እዚ ብርክት ዝበሉ ተምሃሮ ዩኒቨርስቲ ጎንደር ናይ ሕክምና ዲፓርትመንት ይቀየረልና ዝብል ሕቶ ስለዘቕረቡ ጥራሕ ብሓይልታት ፀፅታ ስርዓት ኢህወደግ ተዓፊኖም ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ከምዝተወስዱ ተፈሊጡ።



ኣብ ዩኒቨርስቲ ጎንደር ዝርከቡ ናይ ሕክምና ተምሃሮ እቲ ዲፓርትመንት ስራሕ ናይ ምርካብ ዕድሉ ዝተመናመነ ስለዝኾነ ካልእ ዲፓርቲመንት ይቀየረልና ዝብል ሕቶ ስለዘልዓሉ ጥራሕ  ንመምርሒታት ህፁፅ ናይ ግዜ ኣዋጅ ጥሒስኩም ብዝብል ምኽኒት ብዕለት 19 ሕዳር 2009 ዓ/ም 102 ተምሃሮ ብፌደራል ፖሊስ ስርዓት ወያነ ተዓፊኖም ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ከምዝተወሰዱን ክሳብ ሕዚ ድማ ኣበይ ከምዝኣተው ከምዘይተፈልጠን ገለ ተምሃሮ ዩኒቨርስቲ ጎንደር ንሬድዮ ኣሜሪካ መደብ ቋንቋ ኣምሓርኛ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ኣረዲኦም።
ኣመሓደሪ ዪኒቨርስቲ ጎንደር ኣብ ክንዲ ፀግዒን ወገንን ተምሃሮ ዝኾኑን ሕቶ ተምሃሮ ሰሚዖም ድማ ግቡእ መልሲ ኣብ ክንዲ ዝህቡን ምስሓይልታት ፀፅታ ስርዓት ኢህወደግ ብምትሕብባር ብሓይሊ ተዓፊኖም ክጭወዩ ገይሮም እዮም ዝበሉ እቶም ተምሃሮ፤ በዚ ዝተልዓለ ድማ ኣብ ከተማ ጎንደር ብፍላይ ድማ ዩኒቨርስቲ ጎንደር ሓያል ወጥሪ ነጊሱ ምህላው እቶም ተምሃሮ ወሲኾም ገሊፆም።

No comments:

Post a Comment