Wednesday, November 30, 2016

ከተማ ኣኽሱም ሕፅረት ፅሩይ ዝስተማይን መብራህትን ኣጋጢምዋ ብምህላው ነበርታ ብምረት ይገልፁ ምህላዎም ተፈሊጡ።



ብመሰረት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ነበርቲ ህዝቢ ከተማ ኣኽሱም ኣጋጢምዎም ዘሎ ናይ ማይን መብራህትን ፀገማት ንኽፈትሐሎም ብተደጋጋሚ ናብ መንግስቲ ጥርዓኖም እኳ እንተቕረቡ ክሳብ ሕዚ ጥርዓኖም ሰሚዑ መልሲ ዝህብ ኣካል ከም ዘይረኸቡን ብፍላይ ድማ ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ሰብሃፍትን ወነንቲ ትካላትን ብሰንኪ መብራህቲ ዘይምህላው ኣብ ስርሖም ዓብይ ዕንቅፋት ፈጢርሎም ከም ዘሎ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
ካድረታት ህወሓት ኢህወደግ ወግሐ ፀብሐ ገምጋማትን ትሃድሶን ብምክያድ ኣብ ህዝቢ ክራኣዩ ንዝፀንሑ መሰረታዊያን ፀገማት ቅልጡፍ መፍትሒ ክንገብረሉ ኢና እኳ እንተበሉ ክሳብ ሕዚ ግን ዝተመለሰ ሕቶ ህዝቢ የለን ዝበሉ እቶ ወገናት፤ ኣብ ከተማ ኣኽሱም ዘሎ ናይ ማይን መብራህትን ፀገም ሕዚ ዝተፈጥረ ዘይኮነስ ነዊሕ ግዜ ዘቑፀረ ምዃኑ እቶም ወገናት ኣምሪሮም ከም ዝገለፁ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ብዘይካዚ እተን ካልኦት ከተማታት ገዲፍና ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ትግራይ ማለት እውን መቐለ፤ ሽረ ሑመራ፤ ዓዲ ግራትን ማይጨውን ናይ ማይን ኤለትሪክን ፀገማት ምህላዉ ብተደጋጋሚ ክንገልፅ ምፅናሕና ዝፍለጥ እዩ። 

No comments:

Post a Comment