Friday, December 9, 2016

ኣብ ኢትዮጵያ ብምኽንያት ኢንተርኔት ምዕጻው ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ናይ 9 ሚልዮን ዶላር ክሳራ ክወርድ ከምዝኻኣለ ሓደ ኣብ ኣሜሪካ ዝመደበሩ ዓለም ለኸ ትካል ኣፍሊጡ።



ኣብ ሃገርና ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 11 ኣዋርሕ ነቲ ክላዓል ዝፀንሐ ህዝባዊ ተቓውሞታት ንምዕጋት ክብል  ናይ ኢንተርኔት ኣገልግሎታት ክዕፀው ብምግባሮም ምኽንያት ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ናይ 9 ሚልዮን ዶላር ወይ ድማ 200 ሚልዮን ብር ክሳራ ክወርድ ከምዝኻኣለ ሓደ ኣብ ኣሜሪካ ዝመደበሩ ዘ-ብሩኪንግስ ኢንስቲቲዩት ዝተሰምየ ዓለም-ለኸ ትካል ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

ኣብ ኢትዮጵያን ኣብ ካልኦት 19 ሃገራትን መፅናዕቲ ከምዘካየደ ዝንገረሉ እዚ ዓለም ለከ ትካል’ዚ፤ መንግስቲ ነቲ ኣብ ሃገርና ኢትዮጵያ ተጠናኺሩ ዝቕፅል ዘሎ ህዝባዊ ናዕቢ ደው ንምባል ብዝብል ምኽንያት ኣብ ልዕሊ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ዝወሰዶ ናይ ምዕፃው ስጉምቲ ኣብ ኢኮኖሚ ናይታ ሃገር ዓብይ ኣልታዊ ፅልዋ ከሕድር ከምዝኻኣለ ገሊፁ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ናይ ክልላት ከተማታትን ዝርከቡ ብርክት ዝበሉ ሆቴላት ከምኡ እውን ዝተፈላለዩ ኣገልግሎት ውሃብቲ ትካላትን ናይ ኢንተርኔት ኣገልግሎታት ክቋረፅ ብምግባሩ ምኽንያት ኣብ ልዕሊ ስርሖም ተፅዕኖ ምሕዳሩ ድማ እቲ ዓለም ለኸ ትካል ወሲኹ ኣረዲኡ።


No comments:

Post a Comment