Friday, December 9, 2016

ናይ ኣውሮፓ ፓርላማ ሰብኣዊ መሰል ኮምቴ ስርዓት ኢህወደግ ንደጉተር መራራ ጉዲና ዝኣሰረሉ ምኽንያት ግልፂ ክገብር ኣለዎ ክብል ከም ዝሓተተ ተፈሊጡ።



ዶጉተር መረራ ጉዲና ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ኣባላት ፓርላማ ኣውሮፓ ኣብ ዙርያ ወቕታዊ ናይ ኢትዮጵያ ጉዳይ ኣመልኪቶም ዘተ ገይሮም ድሕሪ ምምላሶም ስርዓት ኢህወደግ ከምዝኣሰሮም ዝፍለጥ ኮይኑ በዚ ዝተልዓለ ድማ ናይ ኣውሮፓ ፓርላማ ናይ ሰብኣዊ መሰል ኮምቴ ዶክተር መረራ ጉዲና ዝተኣሰረሉ ምኽንያት መንግስቲ ግልፂ ክገብር ኣለዎ ክብል ከምዝሓተተ ተፈሊጡ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ክልል ኦሮሞ ዝተኻየደ ህዝባዊ ተቓውሞ ስዒቡ ፓርላማ ኣውሮፓ ህፁፅ ናይ መድረኽ ዘተ ብምድላው ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘየዳግም ስጉምቲ ንኽውሰድ ናይ ውሳነ ሓሳብ ኣቕሪቡ ነይሩ ዝበለ ናይ ኣውሮፓ ፓርላማ ሰብኣዊ መሰል ኮምቴ፤ ዶክተር መራራ ጉዲና ብመንግስቲ ዝተኣሰረሉ ምኽንያት ክሳብ ሕዚ ግልፂ ስለዘይኮነ ስርዓት ኢህወደግ ነቲ ብኮምቴ ሰብኣዊ መሰል ኣውሮፓ ዝቐረበ ጻውዒት ተግባራዊ ክገብር ከም ዘለዎ ኣፍሊጡ።

No comments:

Post a Comment