Friday, December 9, 2016

“እቲ እዋን ናይ ለውጢ እዋን እዩ”



ውድብ ህወሓት ኣብ መድረኽ ጉባኤ ተጸሚዳ’ላ ህወሓታውያን ሎሚ ኸ እንታይ እዮም ከርእዩና ህዝቢ ትግራይ ከ ህወሓት ተካይዶ ካብ ዘላ መድረኽ ጉባኤ እንታይ እዩ ዝጽበ?
ንህ.ወ.ሓ.ት ፈተኹዋ ፀላእኹዋ፣ ደገፍኩዋ ተቓወምኩዋ፣ እትውስኖም ውሳነታት፣ እትወስዶም ስጉምትታት ብቐጥታን ብተዘዋዋርን ናተይ፣ ናይ ቤተሰበይ፣ ናይ ደቀይ፣ ናይ ዓደይ መፃኢ ናይ ምውሳን ተኽእሎኦም ዓብዪ እዩ፡፡ ከምቲ ሕሉፍ ናይ ጥፍኣት መንገዲ ዶ መረፀት ተታሒዝካ ምጥፋእ እዩ፤ ካብ መናእሰይ፣ ካብ ምሁራት፣ ካብ ዓበይቲ ዓዲን ካልኦት ይምልከተና እዩ በሃልቲ ተጋሩ ዝመፁ ዘለዉ ሰናይ ሓሳባት ናብ ረብሓ ህዝቢ ሸሪፎም ዝተወሰነ ጌግኦም ዶ ይእርሙ… ሰናይ፡፡ ኣነ እውን ብዚ መንፈስ እየ ዝመስለኒን ይረብሕን እዩ ዝብሎም ዝስዕቡ ሓሳባት ከፍስስ መሪጸ ዘለኹ

ህዝቢ ትግራይ ካብ ቀፃሊ ጉባኤ ህ.ወ.ሓ.ት እንታይ ይፅበ? ንመራሕቲ፣ ካድረታት ህ.ወ.ሓ.ት፣ ንኹሎም ተሳተፍቲ እቲ ጉባኤ እነመሓላልፎ መልእኽቲ፣ መፀዋዕታ እንታይ እዩ? ዝብል ሓሲብናሉ ዶ ኣለና? ህዝቢ ትግራይ ካብ ህወሓት ዝጽበዮ ለውጢ ከም ዘየለ ኣካል ናይቲ ህዝቢ ስለ ዝኾንኩ ይፈልጥ እየ እንተኾነ ግን ከምዚ እንተዝገብሩ ካብ ምባል ኣይክንዓርፍን
ናብቲ ጉባኤ ኣባላት ዘይኮኑ ጠቓሚ ሐሳብ ክህቡ፣ ደፊሮም ክዛረቡ ዝኽእሉ ዓበይቲ ተጋሩ ምሁራት ተፀዊዖም ዋላ ብዘይድምፂ ክሳተፉ፣ ርኢቶኦም ክህቡ፣ መፍትሒ ሐሳባት ከመንጭዉ እንተዝግበር ንኣብነት ከም ዶ/ር መድሃንየ ታደሰ ዝበሉ ዓበይቲ ምሁራት፡፡ በዓል ጀነራል ገብረጻድቃን፣ ኣቶ ቢተው በላይ ወ.ዘ.ተ ኣብቲ መድረኽ እንተዝሳተፉ ድሌት ህዝቢ ከንጸባርቑ ምኻኣሉ ባሃሊ እየ

ህወሓት ዝባሃል ውድብ ካብ ገጽ ትግራይ ተጸሪጉ ክሳብ ዝቕየር እቲ ዘሎ ማእኸላይ ኮሚቴ ህ.ወ.ሓ.ት ከም ብሓዱሽ ይዋቐር ጠቓሚ ኣበርክቶ ክህቡ ዓቕሞም ዘይፈቕደሎም፣ ብዕድመ ዝደፍኡ፣ ኣድማዒ ስራሕ ክሰርሑ ዘይኽእሉ ተአልዮም ብምሁራት መናእሰይ ይተክኡ፤ ከም ናተይ ርኢቶ ካብ ማእኸላይ ኮሚቴነት ክወርዱ ካብ ዝግበኦም ከም ወ/ሮ ቅዱሳን ነጋ፣ ኣቶ ጎበዛይ ወለኣረጋይ፣ ኣቶ ገ/መስቀል፣ ኣቶ ሃይለ፣ ወ/ሮ ኣረጋሽ፣ ወ/ሮ ያለም፣ ዶ/ር ገብረሂወት፣ ዶ/ር ቴድሮስ ወ.ዘ.ተ ምጥቃስ ይከኣል፤ በዓል ኣይተ ጎይቶኦም ጊጋር፣ ኣቶ ተኽላይ ወልደማርያምን ካልኦት ኣብ ዝተፈላለዩ ዘርፍታት ዘለዉ መናእሰይን ብዘይጥርጥር ካብዚኦም ብብዙሕ ዕፅፊ ዝሐሸ ስራሕ ክሰርሑ ይኽእሉ እዮም ባሃሊ እየ

ካልእ ኣብ ጉዳይ ወልቃይትን ካልኦት ከባቢታት ትግራይን ብዝተፈላለዩ ወገናት ዝቐርቡ መርትዖታት፣ መፍትሒ ሓሳባት፣ ቀጸልቲ ክያዶታት ንኹሎም ደሚርካ፣ ቀሚርካ ንህዝቢ ዝረብሕ ዘየዳግም መፍትሒ ክመጽ ምግባር ህዝቢ ኣብርሃ ጅራ፣ ዓብደራፊዕ፣ ታሕታይ ኣርማጭሆ፣ ዓደርቃይ ቅድሚ ዓመታት ዘቕረቦ ሕቶ፣ ዝፈረሞ 60 ሽሕ ፌርማ ኣይደረቐን እሞ፣ በቲ ምጥቃዕ እውን ምክልኻል እዩ ብዝብል ናይ ዕዋሉ ቀመር ዝተበገሰ ወልቃይትዶ ታይዶ ዝብል ኣጀንዳ ከየዳህለለና ቅድሚ ዓመታት ዝቐረበ ናይ ህዝቢ ሕቶ መልሲ ዝረኽበሉ መንገዲ ምንዳይ ትንፋስ ዘይህብ ሕቶ ህዝቢ እዩ

ቀፃሊ ኣንፈት ጥቕዓት ተስፋሕፋሕቲ ጸረ-ህዝቢ ትግራይ በዓል ኣላማጣ፣ ኮረም ምዃነን ግልፂ እዩ፡፡ እዚ ርሑቕ ከይተጉዓዘን ዘይተደለየ ዋጋ እንተየኽፈለን ዝፍሽለሉ ስትራቴጂ ክሕንፀፅ ይግበኦ፡፡ እንተ ንዓና ንህዝቢ ትግራይ እሞ መሬት ትግራይ ኣለውሃ ምላሽ ምዃኑ ኢና ንፈልጥ፡፡ ኣቦታት ትግራይ ብመኪና ብኡ እንትሓልፉ ኣብ ኣለውሃ ምስ በፅሑ ክሳብዚኣ እኮ እያ ትግራይ እዮም ዝብሉ- ታሪኾም ስለዝፈልጡ፡፡

መዋስንቲ ኣኽሱማውያን ዛጉዌያውያን እዮም’ሞ ህዝቢ ኣገው ናይ ባዕሉ ክልል ዘይህልወሉ ምኽንያት የለን፤ ቅድሚ 25 ዓመት ዝፈፀምኩምዎ ጌጋ ትእርሙሉ ግዘ እዩ፡፡ ቅማንት ድማ ንጎንደር ሓዊሱ ኩሎም ዝግበኦኦም ቀበሌታት ምስ ዝሕዙ ከምቲ ቅድሚ ኣርባዕተ ሓሙሽተ ዓመት ዝነገርናኩም ታሪኸዊ ሓላፍነትኩም ተዋፂእኹም ማለት እዩ፤ እንተዘይኮይኑ ግን ማዕበል ህዝቢ ክውሕጠኩም እዩ

ኣብ ኢንቨስትመንት መከላኸሊ ሃገር ዘሎ ንትግራይ ዘግለለ፣ ብቐፃልነት ንሃገር ጠንቂ ክኸውን ዝኽእል ኣብ ሓደ ቦታ ናይ ምድኳዕ ዘይምዕሩይነት ክረአን ውሳነ ክዓርፈሉን ይግባእ እስቲ ንፈለማ እዋን ልቢ ህዝቢ ኣድምፁ፤ እስቲ ናይ ሕሶት ዳታ ምስንካት ንግዚኡ ደው ኣብሉ እሞ ብዛዕባ እቲ ህሉው ሓቂታት ትግራይ ተዘራረቡ፡፡ ሕርሻና ኣበይ ኣሎ፤ ሴክተር ኢንዳስትሪ ኣበይ ኣሎ፤ መጠን ድኽነት ትግራይ ኣበይ ኣሎ ወ.ዘ.ተ ካብ ሓቂ ተበጊስኩም ተዘራረቡ፣ ንፈለማ እዋን ቃንዛ ህዝቢ ቃንዛኹም ይኹን፤ እስተ ከምቲ ህዝቢ ዝቕንዘዎ ዘሎ ተቐንዘዉ እሞ ሕቶ ህዝብና ክሳብ ክንደይ ወድዓዊ ሕቶ ከም ዝኾነ ክስቆረኩም እዩ

ብዛዕባ እቲ ብሰንኪ ቀይናን መንገድኹም፣ ደረቱ ዝሓለፈ ከፋፋሊ ፖሊስኹም፣ ንሀዝቢ ትግራይ ኣብ ምንፃል ዝተመስረተ ፖለቲካኹም፣ ካብ ነዊሕ ስትራቴጂያዊ ምሕዝነትን ረብሓን ንላዕሊ ግዝያዊ ፖለቲካዊ ከስቢ ዘቐደመ ፖለቲካኹም በዙይን በቱይን ብዕሾኽ ኣሕፂርኩምዎ ዘለኹም፣ መፃኢኡ መሰከፊ ገይርኩምዎ ዘለኹም ሓንጊሩ ናብ ስልጣን ዘደየበኩም ህዝቢ ትግራይ ህሉው ሓቂ ተዘራረቡ

ብፍላይ ከም ቢሮ ትምህርቲ፣ ቢሮ ሕርሻ ዝበላ ቢሮታት ከም ብሓዱሽ ዝዋቐራሉ ኩነታት ክፍጠር ኣለዎ እዘን ትካላት ፖለቲካዊ ተኣማንነት ዘይኮነስ ርእሲ እዩ ዝመርሐን፤ ስለዝኾነ ድማ ዋላ ብነዊሕ ገመድ ኣሲርካ ብሓቀኛ መሁራት ዝምራሓሉ ኩነታት ይፈጠር፤ ኣብ ትግራይ ኩለን ናይ ዲሞክራሲ ትካላት ብዛዕባ ዝጠናኸራሉ፣ ናይ ዲሞክራሲ ባህሊ ብዛዕባ ዝዕምብበሉ፣ ናይ ሓሳብ ኣፈላላይ ከም ፀጋ ብዛዕባ ዝቑፀሩ መስርሕ ክፍጠር ይግባእ

ኣብ ትግራይ ኣብ ገለ ኣካላት፣ ጉጅለታት፣ ኔትወርክታት ዘሎ ንሕብረትናን ህልውናናን ኣዝዩ ሓደገኛ ብዛዕባ ዝኾነ ቁሸታዊነት ብግልፂ ክንቀፍ ክእረም ኣለዎ ርግፅ እዩ እቶም ጉባኤተኛታት መብዛሕቲኦም ብዚ ቁሸታዊ ምፅውዋዕ፣ ኔትወርካዊ ምትእኽኻብ ዝተኣኻኸቡ እዮም፤ ሓደ ደፋር ደላዪ ሓቂ ነዚ ሓቂ ናብ መድረኽ ከምጽኦን ከልዕሎን ተስፋ ንገብር ሰብ ይዘራረበሉ፡፡ ሓባኢያ ቑስሉስ ሓባኢ ፈውሱ እዩ።

ን40 ዓመት ገለ ሰባት ብተግባር ይሸርፉዎ፣ ግን ድማ ብግለፂ ዓው ኢልካ ዘይዝረበሉ ፀያፍ እዩ፡፡ ብዓብዩኡ እቲ ክፉእ ተግባር እናሃለወ ነዚ ጠንቂ ናብ መድረኽ ምምፃእ ፀያፍ ክኸውን ኣይግበኦን፡፡ ኣብ ኢንቨስትመንት መከላኸሊ ሃገር ዘሎ ንትግራይ ዘግለለ፣ ብቐፃልነት ንሃገር ጠንቂ ክኸውን ዝኽእል ኣብ ሓደ ቦታ ናይ ምድኳዕ ዘይምዕሩይነት ድማ ተዘራረቡሉ።
ድሕሪ ሐዚ “ሌጋሲዶ ታይዶ” ከይትብሉ፣ “ናይ 45 ዓመት ዝተወድአ ትልሚ ዶ ታይዶ…” ኢልኩም ከምዘይተባጭዉ ንነብስኹም ቃል እተዉ፤ እዚ መስሐቒ ሸራፋት እዩ፡፡ በብሰከንዱ ብናህሪ ኣብ እትለዋወጥ ዓለም ናይ 45 ዓመት ትልሚ ኣውጺአ ዝብል ሰብ ስሒቕካ ኢኻ ትሓልፎ፡፡ ናይዛ ዓዲ ፖለቲካ ከመይ ይቀያየር ከምዘሎን ነገራት ከመይ ዘይግመቱ ከምዝኾኑን እኮ ትሪኡ ኣለኹም፡፡ ብዛዕባ ሕሉፋት 15 ዓመታት ክያዶ ብዝርዝር ክትዝትዩ ጥራይ ዘይኮነስ ክትካትዑ ህዝባውነትኩም ክተረጋግጹ ትጽቢት ይግበረልኩም

ዘይበላዕናዮ በሊዖሞ፣ ብፅሙእና ረውዮም፣ ዘይተሰርሐልና ተሰሪሑሎም ወ.ዘ.ተ ኣዝዮም ዝተጋነኑን ምስቲ ኣብ መሬት ዘሎ ሓቂ ኣዝዮም ዝተረሓሓቑን ናይ ሕሶት ፀብጻባት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ካብ ዝገደፎ በሰላ ብተወሳኺ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብዓይኒ ጥርጣረ ክሪአና፣ ሓለፋ ዝተረባሕና ክመስሎ ኮይኑ እዩ ክልተ በደል! ንኽልቲኦም ዓበይቲ በደላት መሪሕነት ህ.ወ.ሓ.ት ንህዝቢ ትግራይ ይቕረታ ይሕተት፡፡

ኣብ 1993 ዓ.ም ብዝነበረ ናይ ስልጣን ንሕንሕ ክፍፍል ነቲ ተስዓራይ ጉጅለ ረኸብኩ ኢሉ እኒ እከለ ዝጀመርዎ ኩሉ ይፍሸል ረብሓ 5 ሚልዮን ህዝቢ ትሕቲ ስልጣን ናይ ምርኣይ ባርባርያዊ ውሳነ ሳ.ር.ት ኣፍሪሱ ብሆረየ ብምቕያሩ፣ በዓል ጎልጎል ራያ ወ.ዘ.ተ ክፈሽሉ ብምግባሩ፤ ኣብ ቢሮክራሲ ትግራይ ዝነበሩ ዝሓስቡ ርእስታት ሓደ ብሓደ ኣወጊዱ ብለማጻት ሓንጎል ብምትክኡ ወ.ዘ.ተ…ተስፋ ህዝቢ ትግራይ ኮሊፉ ነዚ ኩሉ ናይ ዝሓለፈ 15 ዓመት ናይ ቁልቁለትን ውርደትን ጉዕዞ ብምምፅኡ ንህዝቢ ትግራይ ይቅርታ ክሓትት ይግባእ
ናይ ህዝቢ ትግራይ መተኣኻኸቢት ፅላል ዝነበረት ማ.ል.ት ዳርጋ ፈሪሳ ብቑሸታዊ ስማዊ ማሕበራት ልምዓት ንምልዋጣ፤ ኣብ 15 ወረዳታት 15 ቀላሚኖታት ናይ ምስራሕ ትልሚ ንምዕጻፉ፣ እታ ሓንቲ ዘላ ቀላሚኖ እውን ንምድኻማ፤ MIT ብምፍራሱ (ናብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ምፅምባሩ)፣ ንህዝቢ ትግራይ ንድንቁርና ካብ ምፍራድ ኣናኣኢስካ ዝረአ ኣይኮነን

ብኣዕፅምቲ ተጋሩ መናእሰይ ዝተሃነጸት ት.እ.ም.ት ናይ ውሑዳት ውልቀ-ሰባትን ጉጅለታትን ንብረት ምዃና ክሳብ ሐዚ ንህዝቢ ትግራይ እዚ ዝበሃል ረብሓ ዘይምሃባ ህዝቢ ትግራይ ንዝኸፈሎ ደምን ህይወትን ኮንቱ ዝገብር ራእን ሕልምን ሰማእታት ትግራይ ኮንቱ ምግባር እዩ  

ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ኣብ ዝሓለፉ 15 ዓመታት ንዝበፅሑ ጉድኣታት፣ ብፍላይ ኣብ ቀረባ እዋናት ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ንዝበፅሑ በደላት ንኹሎም ህ.ወ.ሓ.ት ሓላፍነት ክወስደሎም ይግባእ ናይ ዘርኢ ፖለቲካ ወጢጥኩም ወጢጥኩም ናብ ጫፍ ወሲድኩም በውፅኢቱ ድማ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ውሽጢ ሃገር ናይ ፅልኣት ሓወልትታት ተተኺሉሉ ኣሎ፣ ናይዚ ናይ ጥፍኣት ዘርኢ ፍረ ድማ እነሆ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ወዲቑ እታ ሃገር እውን ኣብ ሞንጎ ምቕፃልን ዘይምቕጻልን ቀራን መንገዲ ደው ኢላ ኣላ፡፡ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ድማ ንህዝቢ ትግራይ፣ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ይቅርታ ክትሓትዎ ይግባእ

ኣብ ትግራይ ሰሪሑ ክዓብየሉ ዝኽእለሉ ዕድል ዕፁው ኮይኑዎ ናብ ካልኦት ክልላት እዛ ሃገር ክሽቅል ኣብ ልዕሊ ዝኸደ (ኣብ ውሽጣዊ ስደት ኣብ ልዕሊ ዘሎ) ትግራዋይ ንዝበፅሖ ግፍዒ ኩሉ፤ ካብኡ ሓሊፉ እውን እቲ ናይ ዝኸፍአ ወይ ናይ መወዳእታ ዝበሃል ሓደገኛ ናይ ስደት መማረፂ ወሲዱ ፎቖዶ ባሕርን ምድረበዳን ኣቋሪፁ ክኸይድ ቀለብ ዓሳ፣ ቀለብ ዝብኢ ኮይኑ ወይ ክፍሊ ኣካላቱ ተቖራሪፆም ኣብ መንገዲ ንዝተረፈ ኩሉ እዩ፤ ንዚኦምን ወድዚኦምን ኩሎም ሙሉእ ሓላፍነት ይውሰድ፤ እቲ መሪሕነት ድማ ይተሓተት

ህ.ወ.ሓ.ት ብፍላጥ ኮነ ብዘይፍላጥ ክሳብ ሐዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ንዘብፀሖ በደል ኩሉ ይቅርታ ይሕተት፤ ሞራላዊን ቁሳዊን በደል ንዝበፅሖ፣ ብጎሓላሉ መንግስቲ ንልምዓት ይደልዮ እዩ ተባሂሉ መሬቱ ብዘይካሕሳ ንዝተሓደገ፣ ፍትሒ ንዝተጓደሎ፣ ብግፍዒ ንዝተኣሰረ፣ ዝተቐተለ ወ.ዘ.ተ..ዝትካእ ተክኡ፣ ዝከሓስ ከሓሱ፣ ዝብል ምኽሪ ኣለኒ

ኣብ መወዳእታ፣ ህዝቢ ትግራይ ኣንፀላልይዎ ዘሎ ሓደጋ፣ ስፍሓቱን ዕምቆቱን ክትግንዘቡ፣ መፍትሒኡ እውን ምስ ለባማት ብምዝታይ ከተናድዩ፤ ከምኡ ድማ ናይ ጸገማትና ኩሎም ቀንዲ መንቀሊኦም ውሽጣዊ ድኽመትና ብምዃኑ ህዝቢ ትግራይ ብኢኮኖሚ ዝድልድለሉ፤ ዲሞክራሲኡ ዝዕምብበሉ፣ ፍትሒን ነፃነትን ዝነግሰሉ፤ ናይ ህዝቢ ናይ ሐሳቡ ምግላፅ፣ ናይ ምውዳብ መሰል ዝረጋገፀሉ፤ ድምጺ ህዝቢ ዝኽበረሉ መንገድታት ምስ ለባማት ብምዝታይ ትካላዊ ኣሰራርሓታት ክተኣታተዉ ብቕንዕና ክትመያየጡ ህዝቢ ብትዕግስቲ ይጽበየኩም ከም ዘሎ ክትፈልጡ ይግባእ

እዚ ኹሉ ክብል ከለኹ ግን ህወሓት ትተሓደስ ኣብ ስልጣን ትቐጽል ማለተይ ከም ዘይኮነ ዝኾነ ኣምባቢ ኮነ ሰማዒ ናይዚ ጽሑፍ ክርዳኣለይ ይደሊ ህወሓት ህዝቢ ሓንሳብ ስለ ዝተፍኦ ማዓስ ጸራሪጉ የሰናብቶ ኣይፍለጥን እቲ ማዕበል ተሲኡ እዩ መፈጸምታ ናይቲ ማዕበል ክሳብ ንርኢ ህወሓት እዞም ኣብ ላኦሊ ዝገለጽክዎም ተግባራት ክፍጽም እንተዳኣ ክኢሉ ግን ገበናቱ ክቕንስ ይኽእል እዩ ካብ ዝብል ሓሳብ ነቒለ ክሕንጥጣ ዳኣ መሪጸ እምበር እቲ እዋን ናይ መሰረታዊ ለውጢ እዋን ከም ዝኾነ ኣይዘንጋዕኹን

ዘ-ጻኣት ካብ መቐለ

No comments:

Post a Comment