Friday, December 9, 2016

“ማሕለኻ ለውጢ”



ብሄርን ብሄረ ሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ፀረ ህዝቢ ዝኾነ ስርዓት ምሕደራ ኢህወደግ ወዲቖም፣ ዝሓለፉ ርብዒ ዘመናት ሓሳረ መከራ ኣብ ልዕሊኦም ተዳዕኒኑ፣ ዕብየቶም ቶኾሊፉ፣ ድኽነት ካብ ውሻጠ ገዝኦም ምውፃእ ኣብዩ፣ ብዕዳን ዕንድዳን ገፆም ማዳ ወፂዎ፣ ፍትሒ ስኢኖም፣ ዴሞክራስያውን ሰብኣውን መሰላት ሓሪሙዎም፣ ሰናይ ምምሕዳር ብተግባራት ግዕዝይና መራሕትን ካድረታትን ኢህወደግ ተሳዒሩ ሃገርን ህዝብን ናብ ጎደና ጥፍኣትን ዕንወትን እናምርሑ መፂኦምን ኣለውን።
ብገንዘብ ህዝቢ ጅብኦም ዝሃጠሩ ውሑዳት ጉሒላታት ጉጅለ ኢህወደግን መሓውሮምን ሎሚ ነቲ ንልዕሊ 25 ዓመት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዘውረድዎ ንሕስያ ዘይብሉ ግፍዕን፣ ከሽካዕልሉዎ ዝፀንሑ ኩለመደያዊ ናይ ምድንጋር ከይድታት፣ ባይታ ይኹን ዝፃወር እንግድዓን ሕልናን ህዝቢ ከምዘየለ ኣብ ዘረጋገፅሉ እዋን ንርከብ። ምኽንያቱ እቲ ኣብዚ ቀረባ ኣዋርሕ ብኩሉ ኩርናዓት ናይ ሃገርና ኣብ ልዕሊኦም ዘነፃፀረ ዝተልዓለ ህዝባዊ ዓመፅ መርኣያ ውድቀቶምን ስእነት ህዝባዊ ደገፍን ውፅኢት ኣምባገነናዊ ምሕደረኦምን ስለ ዝኾነ።

እቲ ናይ እምቢታ ማዕበል ህዝቢ ተጎሃሂሩ ኣብ ዘለሉ እዋን እዩ እምበኣር ነቲ ስሱዕ ባህሪኡን ፃምእ ስልጣኖምን ንዘይምግዳፍ ብናይ ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ ከለላ ገይሮም ካብቲ ናይ ፌደራል ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ዝጀመረ ሽማዊ ምቅይያራት ብውረድ ተዋረድ ኣብተን ክልላት እውን ኣብ ተመሳሳሊ ፀዋታ ተፀሚደን ኣሽማት ሓደሽቲ ኣባላተን ካብ ኣቶ ናብ ዶ/ር ከሰጋግራ ንዕዘብ ኣለና።

ኣብነት ናይተን ካልኦት ውድባት ከም ርዱእ ወሲድና እቲ ብዕለት 26 ሕዳር 2009 ዓ/ም  ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ፀዋታ ምርኣይ ይከኣል እዩ። በዚ መሰረት ህዝቢ ትግራይ እቶም ናብዚ ኩሉ መፃብቦ ዘእተውዎ ኣመራርሓ ህወሓት ሎሚ ታሪኽካ ክፃሓፈልካ እዩ በቲ ሓደ በቲ ኻልእ ድማ፣ በዲልናካ ኢና ጋዕዚና ፀኒሕና ጫማ ህዝቢ ኮይና፣ ህዝብና ንኽሕሰሉ እዋን ሎሚ እዩ፣
ብዕምቆት ተሓዲስና ናይ ኣመራርሓ ለውጢ ገይርናልካ ኣለና ብምባል ዘካይድዎ ዘለው መዓልታዊ መዝሙር፣ ነቲ መሰረታዊ ናይ ስርዓት ለውጢ ዝፅበ ዘሎ ህዝብና፣ እቲ ጨና ህዝባውነት ዘይብሉን ሕድሪ ሰማእታት ረሲዑ ሃፍቲ ህዝብን ሃገርን ንበይኑ ጎምጢጡ ብግዕዝይና ዝተቖማጥዐ ኣመራርሓ፣ ውሑዳት ካብ ሓደ ቢሮ ናብቲ ካልእ ዘይጥዓምዎ ቢሮ ቀይሮም ሙሁራት ኣእቲና ኣለና ብምባል ለውጢ ክነምፅእን ህዝብና ክንክሕስን ኢና ብምባል ክምሕሉን ክጥሑሉን ‘ውን ተዓዚብና።

ህዝቢ ትግራይ ግን ን17 ዓመታት መመላእታ ሂወቱን ንብረቱን ኣወፍዩ ምስ ኣሓት ህዝብታት ሃገሩ መዳርግቲ ኣልቦ መስዋእትን ስንክልናን ከፊሉ ክዕወት ከሎ፣ ብእንግድዕዑ ተሓዚሎም ዝደየቡ ውሑዳት ቆራዲድ ሰበ ስልጣን ህወሓት ኣብ ደሙ ተጣቢቖም ሕድሪ ሰማእታት ረጊፆም፣ ኣብ ትሕቲ ሕሱም ናብራ ድኽነት ኮይኑ ረዲአት ክፅበ፣ ፍትሒ ብገንዘብ ክሽምታ፣ መሰሉ ክዕፈን፣ ኣብ ጥቡቕ ሓለዋን ክትትልን ውዳበ ህወሓት ክወድቕ ብሓፈሻ ብሽሙ እናመሓሉን እናላገፁን ንዘለኣለም ክማፅይዎ ትፅቢቱ ኣይነበረን።
እንተኾነ ግን  “እነን ጓልን ነኒ በይኑ ሓዘነን” ከመዮ ዝበሃል ኮይኑ ህዝቢ ትግራይ ዝፅበዮ ለውጢ ካልእ ህወሓት ዝገብሮን ዝፅይቖን ድማ ካልእ እናኾነ ልዕሊ ርብዒ ዘመን ተቖፂሩ ‘ሎ።
ብተመሳሳሊ እነልዕሎ ጉዳይ እንተሎ ድማ እቲ ኣብዚ ቕንያት ብምኽንያት መዓልቲ ቢሄርን ቢሄረ ሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ብዝብል ኣብ ክልል ሃረር ንመበል 11 ግዜ "ሕገ መንግስትና ንዴሞክራስያዊ ሓድነትናን ህዳሰናን" ብዝብል መሪሕ ቃል በተን ጨና ህዝባውነት ዘይብለን ሚድያታት ኣቢሉ ነቲ ኣብ ባይታ ዘየለ ምስሊ ከድምቕ ቀኒዩ 'ሎ።

እዚ ብጉልባብ መዓልቲ ብሄርን ብሄረ ሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ንፕሮፖጋንዳዊ ሃልክን ሸፈጥን ኮነ ተባሂሉ ዝተምሃዘ ናይ ኢህወደጋውያን መሳርሒ ብምዃኑ፣ ሎሚ ነቲ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ናይ ሃገርና ዝነብር ውፁዕ ዜጋ ዘልዕሎ ዘሎ ናይ ፍትሒ፣ ሰናይ ምምሕዳር፣ ናይ ልምዓት ሕቶ፣ ናይ መንነት ሕቶ፣ ዓርስኻ ብዓርስኻ ናይ ምምሕዳር ሕቶ ወይ ብፉሉይ ዞባ ናይ ምምሕዳር ሕቶ፣ ኣብ ሞንጎ መዋሰኒ ክልላት ዝለዓሉ መፍትሒ ዝሰኣኑ ግጭታት ድማ ዘላቒ መፍትሕን ሰላምን ንኽረክብ ንዓመታት ዝኣክል እናቕረቦም ዝመፀን ዘሎን ግዜ ዘይህቡ ሕቶታቱ መፍትሕታት ኣብ ክንዲ ዝረክብ መልሱ ፀረ ሰላምናን ፀረ ሕገ መንግስትናን እናተብሃለ ክእሰር፣ ክድብደብ፣ ክቕተል ምስኮነ ዕጭኡ ተገዲዱ ናብ ዓመፅን ጎንፅን ምእታው ዝፍለጥ እዩ።

ነዚ ድማ ኣብ ክንዲ ዘላቒ ፍታሕ ምምፃእ ኣብ ልዕሊ ብሄርን ብሄረ ሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ብሹም ህፁፅ ናይ ግዜ ኣዋጅ ኣዊጆም መትከላት ሕገ-ምንግስቲ እናጥሓሱ መምርሕታት እናውረዱ መዓልታዊ ብሓይልታት ፀፅታ ኣብ ልዕሊ ብሄርን ብሄረ ሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ዝፍፅምዎ ዘለው መግረፍቲ፣ ማእሰርቲ፣ ቅትለት፣ ረሲዖም መዓልቲ ብሄር ብሄረ ሰባት ኢሎም ንለውጢ ማሕለኻ እተፈጠሩ ዘገርም ኣይኮነን። እቲ ምንታይ ባህርን ተግባርን ፀረ ህዝቢ ስርዓት ንሱ ስለ ዝኾነ። 

No comments:

Post a Comment