Saturday, December 17, 2016

መንእሰያት ክልል ትግራይ ናይ ስራሕ ዕድል ክንረክብ ኣይካኣልናን ክብሉ መረረቶም ኣብ ምግላፅ ከም ዝርከቡ ተፈሊጡ።



ብመሰረት ዝተረኸበ ሓበሬታ፣ ካድረታት ህወሓት ኢህወደግ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ መንእሰያት ተፈጢሩ ዘሎ ስእነት ስራሕ ንምቕራፍ እኹል ባጀት ሰሊዕና ኣብ ስራሕ ዝወፍሩሉ ባይታ ኣጣጢሕና ኣለና ኣብ ዝብልሉ ዘለው እዋን ኣብዚ ግዜ’ዚ ማእለያ ዘይብሎም መንእሰያት ትግራይ ስራሕ ብዘይምርካቦም ምኽንያት ንዝተፈላለዩ ፀገማት ተቓሊዖም ምህላዎም ገሊፆም፣፣

  ኣብ መላእ ትግራይ ብፍላይ ድማ ኣብ ከተማታት ትግራይ ካብ ስራሕ ወፃኢ ፎቖዶኡ ቀንፈዘው ዝብሉ መንእሰያት ብርክት ዝበሉ ከም ዘለውን፤ ንብዙሕ ዓመታት ተማሂርና ከም ዘይተምሃርና ብምትራፍና ድማ ብልቢ ንሓዝን ዝበሉ እቶም መንእሰያት፤ ኣብተን ሓሓሊፈን ዝልጠፋ ናይ ስራሕ ምልክታታት እውን እንተኾነ ጉቦ ዝሃቡን ኣዝማድ ካድረታት ህወሓት ኢህወደግን ጥራሕ ይቑፀሩሉ ምህላዎም እቶም መንእሰያት ወሲኾም ኣረዲኦም።

No comments:

Post a Comment