Saturday, December 17, 2016

ከተማ ሑመራ ኣብዚ ግዜ እዚ ሕፅረት መብራህቲ ኣጋጢምዋ ብምህላዋ ምኽንያት ነበርታ ግቡእ ስራሕቶም ንኸየሳልጡ ተፀጊሞም ከም ዘለው ተፈሊጡ፣፣



  ብመሰረት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ፣ ከተማ ሑመራ ካብተን ዓበይቲ ዝበሃላ ከተማታት ትግራይ ሓንቲ እኳ እንተኾነት፤ ኣብዚ ግዜ ፀልማት ዓሲልዋ ከም ዝርከብን፤ ህዝቢ ከተማ ሑመራ ድማ ዕለታዊ ስራሕቱ ንኸየሳልጥ ተፀጊሙ ብምህላው ምኽንያት መረረቱ ኣብ ምግላፅ ከም ዝርከብ ካብቲ ከባቢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣረዲኡ፣፣
    ሰበ-ስልጣን ክልል ትግራይ ናብ ከተማ ሑመራ ብስራሕ ምኽንያት ተደጋጋሚ ዝመፁ እኳ እንተኾኑ፤ ይትረፍ’ዶ ናይ መብራህቲ ፀገም ክፈትሑልና ሓንቲ መዓልቲ ‘ውን ትኹን እንታይ ፀገም ኣለኩም ኢሎምና ኣይፈልጡን ዝበሉ ነበርቲ ህዝቢ ከተማ ሑመራ፤ ኣስዒቦም ድማ ሑመራ ኣብዚ እዋን እዚ ለይቲ ብዘይካ እተን ሓሓሊፈን ዝራኣያ ናይ ባጃጃትን ካልኦት ተሽከርከርትን መብራህቲ፣ እታ ከተማ ናይ ኤሌክትሪክ ፀገም ካብ ዘጋጥማ ነዊሕ ግዜ ኣቑፂራ ከም ዘላ እቶም ወገናት ወሲኾም ገሊፆም፣፣ 

No comments:

Post a Comment