Monday, January 9, 2017

ኣብዚ ሰሙን እዚ ብርክት ዝበሉ መንእሰያት ናብ ክፍሊ ታዕሊም ዴምህት ከም ዝተፀምበሩ ወኪል ክፍሊ ታዕሊም ዴምህት ኣፍሊጡ።



ብመሰረት ሓበሬታ ወኪል ክፍሊ ታዕሊም ዴምህት ኣብዚ ሰሙን እዚ ብርክት ዝበሉ መንእሰያት ናብ ክፍሊ ታዕሊም ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ (ዴምህት) ዝኣተው ኮይኖም፤ ካብኣቶም ገለ ውሑዳት ንምጥቃስ ድማ…

1, መምህር ገብረሂወት ገብረሚካኤል ዞባ ማእኸል፤ ወረዳ ዓድዋ፤ ጣብያ ዓዲ ቀሺ፤ቁሸት ማይ ውር፤
2, ሃፍቶም ፍቓዱ ዞባ ምዕራብ፤ ወረዳ ቃፍታ ሑመራ፤ ጣብያ ባዕኸር፤ ቁሸት ባዕኸር
3, የሺብር ገብረመድህን ዞባ ምዕራብ፤ ወረዳ ቃፍታ ሑመራ፤ ጣብያ ዓዲ ሕርዲ፤ ቁሸት ማርያም ሳግላ፤
4, ብርሃነ መልካሙ ዞባ ምዕራብ፤ ወረዳ ዓዲ ረመፅ፤ ጣብያ ቆራሪት፤ ቁሸት ቆራሪት
5, በርሀ ኣባዲ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ፤ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ፤ ጣብያ ዓዲ ተልዖም፤ ቁሸት ጎባስ ዓየ፤
6, ገብረመድህን ተኽለማርያም ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ፤ ወረዳ መደባይ ዛና፤ ጣብያ ባሕራ፤ ቁሸት ባሕራ፤
7, ሽሻይ ተኽለብርሃን ዞባ ማእኸል፤ ወረዳ ወርዒ ለኸ፤ ጣብያ ማእኸል ስግሊ፤ ቁሸት ነቕዓ እንትኾኑ፦

ምኽንያት መቃለሲኦም ብሓባር እንትገልፁ ድማ ኣብ ሃገርና ኣብዚ እዋን እዚ ሰብኣዊን ዴሞክራሲያውን መሰላት ፍፁም ኣብ ዘይኽበረሉ ደረጃ በፂሑ ብምህላው ብፍላይ ድማ ኣብ ትግራይ ኣብዚ ሕዚ እዋን ካድረታት ህወሓት ኢህወደግ ንተቓወምቲ ደጊፍኩም፤ ናይ ተቓወምቲ ደርፊ ሰሚዕኹም ብዝብሉን ካልእን ምኽንያታት ብርክት ዝበሉ ወገናት ይእሰሩን ይግረፉን ምህላዎም እቶም ወገናት ኣብሪሆም።
ኣብ ትግራይ ብፍላይ ድማ ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ መንግስቲ ብምኽንያት ዘውፅኦ ህፁፅ ናይ ግዜ ኣዋጅ ማእለያ ዘይብሎም ዜጋታት ተኣሲሮም ምህላዎም ዝገለፁ እቶም መንእሰያት፤ ኣብዚ ቀረባ እዋን ጥራሕ ኣዱኛ ኣምባቸው፤ ተጁ ሃይለ፤ ወርቅነህ ኣዘናው፤ ርሻን ክፍለ ግዛቸው ደብልልን ርሻን ኣረጋዊን ዝተብሃሉ ወገናት ምስ ተቓወምቲ ውድባት ርክብ ኣለኩም፤ ገንዘብ፤ ምግብን ማይን ተቐብሉ ኢኹም ብዝብል ጠቐነ ኣብ ከተማ ባዕኸር ተኣሲሮም ይሳቐዩ ምህላዎም እዞም ሰሙን እዚ ናብ ክፍሊ ታዕሊም ዴምህት ዝተፀንበሩ መናእሰይ ካብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።







No comments:

Post a Comment