Monday, January 9, 2017

ናይ ኢትዮጵያ ላዕለዋይ ዓቅቢ ሕጊ ኣታዊታትን ጉምርክን ብዓል ስልጣን ብ16 ሚልዮን ብር ዕዳ ከም ዝተኸሰሱ ተፈሊጡ።



ብመሰረት ዝበፅሐና ሓበሬታ ላዕለዋይ ዓቃቤ ሕጊ ናይ ጉምርክን ናይ ኢኮኖሚ ዳይሬክትሬትን ናይ ኢትዮጵያ ኣታዊታት ጉምርክ ብዓል ስልጣን ካብ ወፃኢ ሃገር ብሕጋዊ መንገዲ ዝኣተወ ናይ ኣርማትራ ሓፂን ብዘይኣግባብ ምውሳዶም ብቤት ፍርዲ ብምርግጋፁ ካብ 16 ሚልዮን ብር ንላዕሊ ዕዳ ንኽኸፍሉ በቲ ማሕበር ናይ ክሲ ስምዕታ ቀሪብሎም።

እዚ ንላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ቀጥታ ክሲ ፍታቢሄር መጋባእያ ኣብ ልዕሊ ክልተ ናይ መንግስቲ ኣካላት ናይ ክሲ ስምዕታ ዘቕረበ። ወሪ ጀነራል ትሬዲንግ  ሓላፍነቱ ናይ ውልቀ ማሕበር እዩ።

 እቲ ማሕበር ኣብ ዘቕረቦ ክሲ ከም ዝገለፆካብ ወፃኢ ሃገር ሓፂን ኣምፃእቲ ካብ ዝኾኑ ማሕበራት ብምግዛእ ኣለም ገና ኣብ ዝርከብ መኻዚኖ ዘዳልዎ እንትኾን ናይ ችርቻሮ መሸጢ ድኳን ተክላሃይማኖት ከባቢ ከፊቱ እናነገደ ምኻኑን ኣብ ዓለም ገና ዝርከብ መኻዚኖ 670460 ኪሎ ግራም ናይ ኣልማትራ ሓፂን በዘይ ሕጋዊ መንገዲ ዝኣተወ ምዃኑ ነቲ መጋባእያ ኣረዲኡ።

ከሳሲ ወሪ ጄኔራል ትሬዲንግ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ናይ ግሊ ማሕበር ዝተወሰዶ ናይ እርማታ ሓፂን ዘይ ሕጋዊ ምዃኑ ብቤት ፍርዲ ከም ዘረጋገፀ ብምግላፅ እቲ ናይ ኣርማታ ሓፂን ኣብ ዝተወሰደሉ እዋን በዝነበረ ዋጋ ዘይኮነ በዚ ሐዚ ዘሎ ወቕታዊ ዋጋ ተለኪዑ ምስ ወለዱ ንኽኽፈሎ ንጠቅላይ ዓቃቢ ሕጊ ናይ ጉሙሩኽን ኢኮነሚን ጉዳያት ዳይሬክቶሬት ክሴታ ኣቕሪብሉ።

እቲ ቤት ፍርዲ ዝቐረበሉ ናይ ክሲ ስምዕታ ተመልኪቱ ክልቲኦም ናይ መንግስቲ ትካላት ን8 ለካቲት 2009 ዓ.ም ቀሪቦም ከረድኡ ‘ዉን ትእዛዝ ከም ዘመሓላለፈ ዝበፅሓና ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።


No comments:

Post a Comment