Saturday, January 21, 2017

ኣብ ወረዳ ክልተ ኣውላዕሎ ዝርከቡ ነበርቲ ህዝቢ ከተማ ኣጉላዕ ብሕፅረት ፅሩይ ዝስተ ማይን መብራህቲን ይሳቐዩ ምህላዎም ገሊፆም።



ብመሰረት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ወረዳ ክልተ ኣውላዕሎ ዝርከቡ ነበርቲ ህዝቢ ከተማ ኣጉላዕ ሕፅረት ፅሩይ ዝስተማይን መብራህትን ኣጋጢምዎም ከም ዘሎን ኣመሓደርቲ ናይቲ ወረዳ ድማ ነዚ ፀገም እናፈለጡ ከም ዘይፈለጡ ነቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ፀገም መፍትሒ ክገብርሉ ከም ዘይካኣሉ ሓቢሮም።
ኣብ ከተማ ኣጉላዕ መብራህቲ የለን ጥራሕ ዘይኮነስ፤ ናይ ትራንስፎርመር ፀገም ከም ዘሎን ከምኡ እውን እቶም ኣብታ ከተማ ተተኺሎም ዘለው ፓሎታት እውን እንተኾነ ዝኣረጉ ስለዝኾኑ ናብ ዝባን ገዛውቲ እናወደቑ ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረት ጉድኣት የውርዱ ኣለው ዝበሉ ነበርቲ ህዝቢ ከተማ ኣጉላዕ።
ኣስዒቦም ድማ ብመዳይ ፅሩይ ዝስተ ማይ እውን እንተኾነ ካብ እንስሳታት ዝሰትያሉ ቃላያትን ዕቛር ማይን ክሰትዩ ብምኽኣሎም ምኽንያት ንዝተፈላለዩ ማይ ወለድ ሕማማት ይቃልዑ ምህላዎም እቶም ወገናት ካብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።


No comments:

Post a Comment