Saturday, January 21, 2017

ግዕዝይናን ብልሽው ኣሰራርሓን ካብ ሃገርና ጠቕሊሉ ክጠፍእ ዝኽእል ብህወሓት ኢህወደግ ዝምራሕ መንግስቲ ካብ ስልጣኑ ምስ ዝእለ ጥራሕ ምዃኑ ተገሊፁ።



ብመሰረት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ካብ ሃገርና ኢትዮጵያ ግዕዝይናን ብልሹው ኣሰራርሓን ጠቕሊሉ ክጠፍእ ዝኽእል እቲ ኣብ ሃገርና ሓደራ ህዝቢ ንጎኒ ገዲፉ ሃፍቲ ሃገርን ህዝብን ኣብ ምዝማት ተፀሚዱ ዝርከብ ስርዓት ወያነ ኢህወደግ ካብ ስልጣኑ እንትእለ እንበር ብናይ ይምሰል ዓሚቕ ተሃድሶን ወፍሪ ምጥፋእ ግዕዝይናን ከም ዘይኮነ ዝተፈላለዩ ወገናት ይገልፁ ምህላዎም ተፈሊጡ።

ብስም ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝመፅእ ልቓሕን ካብ ዝተፈላለዩ ገበርቲ ሰናይ ዝወሃብ ርዳእታን ንረብሓ ሰበ-ስልጣን ይውዕል ምህላው ዝገለፁ እቶም ወገናት፤ እዚ ሕዚ እቲ ስርዓት ግዕዝይና ንምጥፋእ ብዝብል ምኽንያት ህዝቢ ኣብ ኣኼባትት ብምፅማድ ዘካይዶ ዘሎ ገምጋማትን ኣኼባታትን መቐፀልታ እቲ በቢ ግዜኡ ከካይዶ ዝፀንሐ ናይ ምድንጋር ተግባራቱ ከም ዝኾነ ዝተፈላለዩ ወገናት ገሊፆም፣

ብተወሳኺ ድማ እቲ ብላዕለዎት ሓለፍቲ ናይቲ ስርዓት ብልቓሕን ርዳእታን ናብ ሃገርና ዝኣቱ ቢሌናት ዶላራት ኣብ ኢድ ውሑዳት ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ክውዕል ብምኽኣሉ ንሃገርን ህዝብን ናብ መንገዲ ድኽነት ዘእቱን ከምኡ እውን ሓያል ህውከትን ዕግርግርን ዘስዕብ ምዃኑ እቶም ወገናት ወሲኾም ኣመልኪቶም፣



No comments:

Post a Comment