Saturday, January 14, 2017

ወሸን በል

ኣብቲ ርሱን ረስንኻ ኣርስኖ
ኣኹልሎ ዝናርካ ብረትካ ኣልዕሎ
ወጊድ ንዓፈና ኣይምብርከኽን በሎ
ሓርን ወነኻ ኣለዓዕሎ ከምቲ ናይ ትማሊ
እምቢ በል እምቢታኻ ግበረሉ ረስኒ
ኣይትገማማዕ ሓድነት’ዩ ሓይሊ
ከይደቀስካ ብለይትን መዓልትን
ኣለልዮም ፈተውትን ጸላእትን
ከየዳህልሉኻ ኣትዮም ኣብ ደምበኻ
ኣስምሮ ዝያዳ መጋጣጠሚኻ

ብምብራቕ ብምዕራብ ብደቡብ ብሰሜን
ወሸን ኢልካ ብኹሉ ማኣዝን
ጸራርጎም ነቐዝን ትዃንን
ህዝባውነትካ ብቓልስኻ ኣማእዝን
ወሸን ዳኣ በሎም
መን ከዳህልል መን ክድህለል
መን ክጠሚ መን ክዕንገል
መን ክጉሂ መን ክዕልል
መን ክወድቕ መን ክስቀል
ከመይ ድዩ ኢትዮጵያዊ ማዕበል?

ከይትድህለል ከይትታለል
ነኺስካ ሓዞ እቲ ህዝባዊ መትከል
ብንቕሓት ሓምስ ኣብ ናይ ለውጢ ማዕበል
ልጓም ግበረሉ ዝደጋገም በደል
ወትሩ ኣብ ልዕሌኻ ከየንከባልል
ኣብቲ ሜዳ ሃጓፍ እናፈጠረ
ነቲ ሓደ እናቑሰለ ነቲ ሓደ እናሕረረ
ክሳዕ መኣዝ ክሃስየና ክምስ እናበለ
ተጠንቀቕ መንእሰይ ወትሩ ኩን ወሓለ
ወሸን በል
ሓንሕን ከምቲ ነብሪ ጓዝም ከም ኣምበሳ
ኣዝግብ ኣብ በረኻ ሕነቕ ፀላእትኻ
ገስግስ ንቕድሚት ለውጢ ይቀላጠፍ
ወሸን ኢልካ ኩሉ ጸራሪግካ ሕለፍ
ወሰን ኣየዐውትን ወሸን ዳኣ በል
ብዘይምሕረት ስበር ዓንዲ ማእከል
ክፈርስ’ዩ ሽዑ ተለኻኪሙ
ነጺርካ ፍለጦ ማእኸል’ዩ ዓቕሙ
ምንቅስቓስ የለን ሑቖ እንተተሰይሩ
ጎዩ ኣየድምዕን ማሓውር ንበይኑ

ወሸን በል
ተላዓል ምሁር ሓይሊ
ተቓውሞኻ ግበረሉ ዕሊ
ተላዓል ሓረስታይ
መዐንገሊ ዝሳኣንካ እኽለ ማይ
ተላዓል ሸቃላይ ተላዓል ነጋዳይ
ህዝባዊ ፍቕርኻ ኣመስክሮ ዳግማይ
ብቐረጽ ብግብሪ ካዝናኻ ነጊፎም
ጸሙካ ዘሕደሩኻ ስድራኻ ደፊኖም
ወሸን በሎም ወሸን
ሓግሒግካ እተዎም ከይተርፉኻ ወሰን

ብኮማንድ ፖስት ኣይትደናገጽ
የማን ጸጋም ጠምት ኣስተብሂልካ ርገጽ
ኣይትዳህለል ኣይትዘናጋዕ
ማኖ ኣይትንካእ ከይትርታዕ
ወሳኒ እዩ ናይ ሓንጎል ጸወታ
ብንቕሓት ተሊምካ ብጽሓዮ ቮላታ
ጽቐጥ በሎ ኹሉ ኣብ ናይ ለውጢ ቃታ
ዓወት ይኹን ደረት ህዝባዊ እምቢታ

ኣሎ እኮ ሕሉፍ ዛንታ ወለድና
መዛግብ ናይ ዓወት ታሪኽ ዘምህረና
መቓብር ባዕዳውያን ጎበታት ናይ ዓድዋ
እምቢታ ዶ ኣይኮነን ዝሓቖፎ ጽዋ
ምልስ ኢልና እንተነቢብናዮ
መዛግብ ታሪኽ እንተገንጺልናዮ
መርዚ ምፍልላይ ዘይጸልዎ
ጥሙር ስእሊ ሓድነት ኣለዎ

እሞ ኸ መንእሰይ ታሪኽ ተወኪስካ
ወሸን በሎም ወሸን ሓድነትካ ኣስጢምካ
ኣይፍለይን በሎም ብዘርኢ ብዓሌት
ተጠናነግ ከም ዓለባ ሳሬት
ደምካ ተመጊቦም ዝገበሉ
ብኹሉ ኣንፈት ተተመሙ
ድምብርጽ ከይትብል ኣስጢምካ ሓዞም
መትከልካ ኣሚንካ ፊት ንፊት ግጠሞም

ወሸን በሎም ወሸን- ከይተርፉኻ ወሰን
ሃገር ሃገር ጭኖ- ታሪኽካ ምለሰን

1 comment:

  1. ስላም ንዝኸበርኩም ናይ ደምሒ አባላት።

    አነ ሰመይ አልአሚን ዓብዱስላም ዝተበሀልኩ ኢትዬጵያዊ (ትግራዋይ) ተከማትነተይ ሸወደን ዝኾነ ሰብ፥ ሸሙ ዓረቡ ዓብዱስላም ዝተበሀለ ሐወይ ምሰ ደምሒት 15 ዓመት ገይሩ። ን ሐወይ ብኸመይ ክረኽቦ ከምዝኽእል ክትሕብሩኒ ብትሕትና ይሕትት ።

    My Phone Number is +46722737303

    ምስ ክቡር ሰላምታ

    ReplyDelete