Saturday, March 4, 2017

ኣብ ኩለን ኣሃዱታትን ክፍልታትን ዴምህት መበል 16 ዓመት ምምስራት ውድብና 19 ለካቲት ብድሙቕ ኩነታት ክኽበር ከም ዝቐነየ ወኪላትና ገሊፆም።



   መበል 16 ዓመት ልደት ውድብና ዴምህት በዓል 19 ለካቲት “ኣብ መብረድ ቃልስና እናተስሓልና ክንዕወት ኢና” ብዝብል መሪሕ ቃል ክኽበር ዝቐነየ ኮይኑ ብርክት ዝበሉ ፈተውትን ደገፍትን ቃልስና ዝኾኑ ዕዱማት ኣጋይሽ ኣብ ዝተረኸቡሉ ብክብ ዝበለ ድምቀት ተኸቢሩ።
    ውድብ ዴምህት ካብ ተመኩሮታቱ እናተስሓለ ናብ ሙሉእ ዓወት ንምብፃሕ ኣብ ሓያል ፃዕሪ ተፀሚዱ ዝርከብ ኮይኑ ብፍላይ ድማ ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤኡ ካብ ዘሳልጥ ንደሓር ህዝብና ካብቲ ዘሎ ጨፍላቒ ስርዓት ኣገላጊሉ ኣብ ሃገርና ሰላምን ዴሞክራስን ንምስፋን ከምኡ ‘ውን መነባብሮ ሕብረተሰብና ካብቲ ዘለዎ ዓዘቕቲ ድኽነት ንምውፃእ ኣብ ሓያል ተግባራዊ ስራሕ ተፀሚዱ ይርከብ።
   በዚ መሰረት ድማ ተጋደልቲ ዴምህት መበል 16 ዓመት ልደት ውድብና ዴምህት እንተኽብሩ ብልዑል ሞራልን ናይ ለውጢ መንፈስን ከም ዘኽበሩዋ ወኪላትና ገሊፆም።
   ኣብቲ በዓል ዝተረኸቡ ዕዱማት ኣጋይሽ ብወገኖም ቃልሲ ዴምህት ህዝባዊ ቃልሲ ስለ ዝኾነ፣ ካብ ህዝቢ ዓብዪ ተቐባልነት እናረኸበ ይመፅእ ኣሎ። ንሕና ብወገንና ነቲ ቃልሲ ንምድጋፍ ልዕሊ ትማሊ ተዓጢቕና ኣብ ጎኒ ውድብ ዴምህት ክንስለፍ ኢና፣ ዝከኣለና ሓገዝ ድማ ክነበርክት ኢና ክብሉ ገሊፆም።
  

No comments:

Post a Comment