Saturday, March 4, 2017

ክፍሊ ታዕሊም ዴምህት ንኣዋርሕ ዝኣክል ብወተሃደራውን ፖለቲካውን ከሰልጥኖም ዝፀንሐ ሓደሽቲ ተዓለምቲ ብ19 ለካቲት 2009 ዓ/ም ላዕለዎት ሓለፍቲ ውድብናን ዕዱማት ኣጋይሽን ኣብ ዝተረኸቡሉ ብድሙቕ ኩነታት ከም ዘመረቖም ወኪላትና ዝለኣኹልና ሓበሬታ የመላኽት።



ክፍሊ ታዕሊም ዴምህት ዓንዲ ሕቖ ናይቲ ውድብ ብምዃን ንብርክት ዝበለ ዓመታት ካብ ዝተፈላለዩ ናይ ሃገርና ቦታታትን ካብ ዝተፈላለዩ ክፋል ሕብረተሰብን ንዝመፁ መንእሰያት ተቐቢሉ ዓሊሙ ናብ መሳርዕ ዴምህት እናፀንበረ ዝፀንሐ እንትኸውን ኣብዚ ቅንያት ድማ ወፅዓ ህዝቦም ንምፍታሕ ናብ ዴምህት ንዝተፀንበሩ ብኣማኢት ዝቑፀሩ መንእሰያት ንኣዋርሕ ዝኣክል ፖለቲካውን ወተሃደራውን ከሰልጥኖም ፀኒሑ ብ19 ለካቲት 2009 ዓ/ም ቅያ ብዝብል ስያሜ ብድሙቕ ኩነታት ኣመሪቑዎም።
እዞም ኣብ 19 ለካቲት ዝተመረቑ ዙር ቅያ፣ መበል 16 ዓመት ልደት ውድብና ዴምህት ዝኽበረሉ ዝነበረ ኣጋጣሚ ብምዃኑ እቲ ናይ ምረቓ ስነ ስርዓት ዝያዳ ድምቀት ከም ዝነበሮን ጉጅለ ባህሊ ዴምህት ድማ ዝተፈላለዩ ስነ ጥበባዊ ስራሕታ ብምቕራብ ኣብ ምድማቕ እቲ ዕለት ዓብዪ ተራ ከም ዝተፃወተት ኣብቲ በዓል ዝተረኸቡ ጋዜጠኛታት ዴምህት ይገልፁ።
ኣዛዚ ክፍሊ ታዕሊም ዴምህት ተጋዳላይ ሃይላይ ኣባዲ ነቲ ዕለት ኣመልኪቱ ኣብ ዘስመዖ መግለፂ፦ ተመረቕቲ ቅያ ከምቲ ኣብ ታዕሊም ዘርአኹምዎ ዘደንቕ ንጥፈት ሐዚ ድማ ኣብቲ ዝተመደብኩሙሉ ክፍልታትን ኣሃዱታትን ከም ሽምኩም ቅያ ክትሰርሑ ኣለኩም ክብል ተላብዩ።  
ኣብቲ ናይ ምረቓ ስነ ስርዓት ዝተረኸበ ኣቦ ወምበር ዴምህት ተጋዳላይ መኮነን ተስፋይ ንበዓል ልደት ውድብና ዴምህትን ብዛዕባ እቲ ምረቓን ኣመልኪቱ መግለፂ ዘስመዐ እንትኸውን ሙሉእ ትሕዝቶ ናይቲ መግለፅን ሓፈሻዊ ስነ ስርዓት እቲ ምረቓን ኣብ ዝቕፅል ናይ ረቡዕ ፈነወና ክነቕርብ ምዃንና ንሕብር።

No comments:

Post a Comment