Thursday, March 16, 2017

ኣብ ዞባ ምብራቅ ትግራይ እትርከብ ከተማ ውቕሮ ኣብታ ከተማ ናይ ጉሓፍ መጠራቐሚ ብዘይምህላው ኣብ ፅሬት እታ ከተማ ዓብይ ፀገም ፈጢሩ ምህላው ነበርታ ገሊፆም።



ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ነበርቲ ህዝቢ ከተማ ውቅሮ መጠራቐሚ ጉሓፍ ንኽመፀሎም ንሓለፍቲ እታ ከተማ ተደጋጋሚ ሓቲቶም መልሲ ከምዘይረኸቡን ብሰንኪ መጠራቐሚ ጉሓፍ ዘይምህላው ድማ ኣብ ውሽጢ እታ ከተማ ኣብ ፎቖዱኡ ጉሓፍ ተደብርዩ ስለዝርከብ ጠንቂ ጥዕና ናይቲ ከባቢ ህዝቢ ኮይኑ ምህላው ነበርቲ እታ ከተማ የማርሩ ከምዘለው ተፈሊጡ።
ሰበ-ስልጣን ህወሓት ብግዕዝይና ጠልቅዮም ኣብ ውልቀ ውራዮም ጥሒሎም ኣብ ዘለውሉ እዋን ኣብ ከተማኦም ዘሎ ፀገም ንነዊሕ ግዜ ጠሪዖም ሰማዒ ከምዘይረኸቡ ዝገለፁ እቶም ወገናት፤ብተወሳኺ ከተማ ውቕሮ ከምቲ ካድረታት ህወሓት ኣብ ዕቤታን ፅሬታን ምዕባለ ከምዘርአየት ኣምሲሎም ዝዛረብዎ ዘይኮነስ እታ ከተማ ኣብ ጎደና ድሕረትን ድኽነትን ምህላዋ እቶም ነበርቲ ወሲኾም ኣገንዚቦም።

No comments:

Post a Comment