Thursday, March 16, 2017

መንእሰያት ወረዳ መረብ ለኸ ብሰንኪ ናይ ስራሕ ዕድል ዘይምርካቦም ኣብዚ ሕዚ እዋን ብበዝሒ ናብ ስደት የምርሑ ከም ዘለው ተፈሊጡ።



ኣብ ዞባ ማእኸል ትግራይ ወረዳ መረብ ለኸ ዝርከቡ መንእሰያት መንግስቲ ብውዳብኦም ኣቢሉ ዕድል ስራሕ ክኸፍተሎም ስለዘይካኣለ ኣብዚ እዋን እዚ ማእለያ ዘይብሎም መንሰያት መረበቶም እናገደፉ ናብ ስደት ዓዲ ጓና ይውሕዙ ምህላዎም ነበርቲ ናይታ ወረዳ ገሊፆም።
ስርዓት ወያነ  ስራሕ ንዘይብሎም መንእሰያት ትግራይ ናብ ስራሕ ንምእታው ሙሌናት ገንዘብ ሰሊዐ ኣለኹ ይብል ኣብ ዘለሉ ግዜ ዋሕዚ ስደት መንእሰያት እታ ወረዳ ብናህሪ ወሲኹ ከም ዘሎን ባሕሪ ሰጊሮም ናብ ወፃኢ ሃገራት ክኸዱ ክብሉ ዝተፈላለዩ ፀገማት ይበፅሖም ምህላውን ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ብተመሳሳሊ ዜና ብግዕዙይ ምሕደራ ስርዓት ኢህወደግ ተማሪሮም ማእለያ ዘይብሎም መንእሰያት እታ ወረዳ ናብ ብረታዊ ቃልሲ ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ(ዴ.ም.ህ.ት) ይውሕዙ ምህላዎም ተደጋጋሚ ክንገልፅ ምፅናሕና ዝፍለጥ እዩ።

No comments:

Post a Comment