Wednesday, March 22, 2017

ንጓሂ ዝድርዕ መልክዑ ዝፈላለ ጥቕዓት ዜጋታትና ንኢህወደግ ኣይንታዩን፣



   እቲ ኣብታ ሃገር ዝዕንድር ዘሎ ጨፍላቒ ስርዓት ኣብ ልዕሊ መሰሉን ረብሓታቱን ንምርግጋፅ ዝቃለስ ዘሎ ህዝቢ ንምጉዕፃፅ ዘካይዶ ዘሎ ተደራረብቲ ግፍዕታት ከይኣክል፣ ዓይነቶም ብዝቀያየሩ ሓደጋታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘስካሕክሕ ጥቕዓት ክሳብ ዘብፅሑ ተዓዚሙ ኣሎ።
    እዚ ስርዓት እዚ ካብ መሰረቱ ንውሕስና፣ ንረብሓን ድልየትን ህዝቢ ዝቖመ ዘይኮነስ ንረብሓ ውሑዳት ዘረጋግፅ፣ ንብዙሓት ኣብ ሓደጋ ዘሳጥሕ ምልካዊ ስርዓት ብምዃኑ፣ ህዝብና ብዝተፈላለዩ ሰብ ሰራሕን ተፈጥራውን ሓደጋታት እናተቓልዐ ሂወቱ፣ ንብረቱን ጥሪቱን እናሰኣነ መፂኡን ኣሎን።
  ብምዃኑ ድማ እቲ ስርዓት ንውሕስነት ዜጋታቱ ዘድሕን ግብራዊ ምንቅስቓስ ክገብር ብዘይ ምኽኣሉ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ በቢ ግዚኡ መልክዖም እናቐያየሩ ብዝኽሰቱ ዘለው ሓደጋታት ነናይ ባዕሎም ፀሊም ነጥቢ እናገደፉ ይሓልፉ ኣሎው።
  እዚ ነቲ በቢ ዓመቱ ብሰብ ሰራሕን ተፈጥራውን ሓደጋታት ኣብ ልዕሊ ሂወት ወገናትና እናቐዘፉ ዝሓለፉ ዝተፈላለዩ ሓደጋታት ከም ርዱእ ገይርና፣ ኣብዚ  እዋን ጥራሕ እቲ ስርዓት ክምረሐሉ ዝመፀን ዘሎን ግዕዙይ ምሕደርኡን ኢ-ዴሚክራስያዊ ኣካይዱኡን ዝወለዶ ዕግርግርን ሕዚ ‘ውን ኣንፀላልዩ ዘሎ ሓደጋን ተኸቲሉ እታ ሃገር ዕርቃና ኣብ ዝወፀትሉ በቲ ሓደ፣ በቲ ኻልእ ድማ ካብ እዋን ናብ እዋን ዝሕንበብ ዘሎ ናህሪ ዋጋን ዝኽሰት ዘሎ ተኸታታሊ ድርቂ ኣብ ልዕሊ ድኻ ሕብረተሰብና ዘስዕቦ ዘሎ ሓለንጊ ጥምየትን ከርፋሕ መነባብሮን ዝርሳዕ ኣይኮነን።
  እዞም ነናይ ባዕሎም መድረኽ ሒዞም ዝፍፀሙ ዘለው ሓደጋታት ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ዘብፅሕዎ ዘለው በሰላ ንምግማቱ ዘፀግም ኣይኮነን። ብፍላይ ድማ እቲ ፀረ ህዝቢ ስርዓት ነቲ ካብ ሃገሩ ሓሊፉ ሰላም ጎረባብቲ ሃገራት ዝሕሉ ሰራዊት ሃኒፀን ወኒነን ክብሎ ዝፀንሐን ዘሎን ፕሮፖጋንድኡ ባይታ እናዘበጠ እዩ።
  ምኽንያቱ እቲ ኣብ ሚያዝያ 2008 ዓ/ም ካብ ደቡብ ሱዳን ተበጊሶም ዶብ ናይ ኢትዮጵያ ጥሒሶም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ጋምቤላ መጥቃዕቲ ዝፈፀሙ ብረት ዝዓጠቑ ሓይልታት ሂወት ልዕሊ 200 ወገናትና ክቐዝፉን ልዕሊ 125 ህፃናት ክጭወዩን ብኣሽሓት ዝቑፀራ ጥሪቶም ክዘርፉን ከለው ተጓይዩ ዘድሓኖምን ድሕንነት ዜጋታቱ ንምውሓስ ዝተዓጥቀ ህዝባዊ ሓይሊ ብዘይምህላው ቅስሚ ህዝቢ ኢ/ያ ዝሰበረ ፍፃመ ተፈፂሙ ከም ዝሓለፈ ዝዝከር እዩ።
  ሎሚ ድማ እዚ ኩሉ ዘስካሕክሕ ተግባር ዝተፈፀመሉ ከባብን ክልልን እናሃለወ ሕዚ እውን ዶብ ጢሒሶም ኣብ ልዕሊ ወገናትና መጥቃዕቲ ብምውራድ ሂወት 18 ከሕልፉን ብርክት ዝበሉ ህፃናት ድማ ጨውዮም ክወስዱ ከለው ኣቐዲሙ ክከላኸለሎም ዝኽእል ዕጡቕ ኣይተረኸበን።
  ካብዚ ብምብጋስ እዩ እምበኣር ንወገኑ ክጭፍልቕን ክኣስርን ከጋፍዕን  እምበር ዶብ ሃገሩ ጥሒሱ ኣብ ልዕሊ ሂወት ዜጋታትናን ንብረትን ጥሪትን ዕንወት ንዘውርድ ባዕዲ ንኢህወደግ ኣይንታዩን ንብል ዘለና።
  ወገናቱ ብናይ ባዕዲ ሓይልታት እናተጠቕዑ ከድሕን ዘይክኣለ ሰራዊት ወይ  መንግስቲ ድማ ካብ ፀላኢ ዘፍሊ ምኽንያት የብሉን። እዚ ከም ዘለዎ ኮይኑ እቲ ብ2 መጋቢት 2009 ዓ/ም ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ቆሼ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ዝተፈጥረ ናይ ጎሓፍ ምንሽርታት ሓደጋ ስዒቡ፣ ኣብ ልዕሊ ሂወት ዜጋታት ዘብፀሖ ቅዝፈትን መጉዳእትን ዘሕዝን እዩ። በዚ ኣጋጣሚ ዝተሰመዐና ዓሚቕ ሓዘን እናገለፅና፣ ንስድራቤት ግዳይ እቲ ሓደጋን ንመላእ ህዝቢ ኢትዮጵያን ፅንዓት ንምነ። ቀንዲ ተሓታቲ ናይዚ ሓደጋ ድማ ባዕሉ እቲ ገዛኢ ስርዓት እዩ።
  ምኽንያቱ ንልዕሊ 50 ዓመታት ዝኣክል ጉሓፍ እናተደፍኦ ዝመፀን ዘሎን ከባቢ ኣብ ምንታይ ኩነታት ኣሎ? ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ወገናት ኣብ ከመይ ሃዋህው ኣለው ኢሉ ግቡእ ክትትልን ፅንዓትን ተገይሩሉ ቦታ ቀይሮም ክሰፍሩ እናተገብኦም መንግስቲ ነዚ ብዘይምትግባሩ ዝተፈጥረ ሓደጋ ድኣ’ምበር ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝወደቐ ክስተት ኣይኮነን።
  ስለዚ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ክበፅሕ ዝኽእል ዝኾነ ይኹን ጉድኣት ቅድመ ድልውነትን ፅንዓትን ተገይሩሉ ውሕስና ዘለዎ ባይታ ክረኽቡ ይግባእ ንብል።

No comments:

Post a Comment