Tuesday, March 28, 2017

ኣብ 'ዚ ሰሙን እዚ ብርኽት ዝበሉ መናእሰይ ናብ ክፍሊ ታዕሊም ዴምህት ከም ዝተፀንበሩ ወኪልና ካብ ክፍሊ ታዕሊም ካብ ዝለኣኾ ሓበሬታ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።



   ብመሰረት ሓበሬታ ውኪል ክፍሊ ታዕሊም  ኣብ 'ዚ ሰሙን እዚ ብርክት ዝበሉ መናእሰይ  ብምሕደራ ስርዓት ወያነ ተማሪሮም  ክቃለሱ ከም ዝወሰኑ ድሕሪ ምግላፅ  ካብዚኣቶም  ዝተወሰኑ ንምጥቃስ ድማ ፦
1.ኣምሳ ኣለቃ ፍሬው መለስ ማሙ  ካብ    ክፍለ ሰራዊት 22  ክፍሊ ስለያ ዝነበረ  ተወላዲ ደቡብ ቢሄር ቢሄረ ሰባት ዞባ ኣዋሳ ወርዳ ሎኳ ጣብያ ኣበያ  ሰዶ ሸሚጣ ቁሸት ቆኒ ቦኦ 
2.ተክኤ በሪሁ ካብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ጣብያ ገምሃሎ  ቁሸት ሰንበል
3.ኣንጎሶም ተኽሊት ኪዳነ  ካብ ሰሜናዊ ምዕራብ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ጣብያ ዓዲ ኣሰር ቁሸት ዓዲ ሃርፊ
4.ማንደፍሮ ተሻገር ይርጋ  ካብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜናዊ ጎንደር ወረዳ ጆናሞራ ጣብያ ደረክሴ ቁሸት ደረክሴ
5.ክብሮም መሰለ ፍቓዱ ካብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ወርዳ እምባ ኣላጀ ጣብያ ዕጠቕ ቁሸት ወዲሾሁ
6.ገብረመድህን ግብረሚካኤል ሓጎስ ካብ ዞባ ማእኸል ወረዳ ኣሕፈሮም ጣብያ ማይ ቀያሓት ቁሸት ኣፃብዖ
7.እንድራያስ ኣብርሃም ሓጎስ ካብ ዞባ ምብራቕ ወረዳ ኢሮፕ ጣብያ ዓሊተና ቁሸት ዓይጋ
8.ፍሊሞን ፍሱሕ ሓጎስ ካብ ዞባ ምብራቕ  ወረዳ ኢሮፕ ጣብያ ዓሊተና ቁሸት ዓይጋ
9. ወታሃደር ኣንዱከም የቆየ ኣስረስ ካብ ክፍለ ሰራዊት 44  2ረጂመንት 4 ሓይሊ 5 ጋንታ 3 መስርዕ ተወላዲ  ክልል ኣምሓራ ዞባ ምብራቕ ጎጃም ወረዳ ሉማሜ ጣብያ 01 ቁሸት 01 እንትኾኑ ምኽንያት ናብ ቃልሲ መፀንበሪኦም ብሓባር እንትገልፁ ድማ ኣብ ሃገርና ዘሎ ስርዓት ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ኣብ'ዚ ሐዚ ግዜ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት እናወሰዶ ዘሎ ኣስካሕካሒ  ጨፍጫፍ  ከም ዜጋ ተፀሚምካ ዝሕለፍ ስለዘይ ኮነ ከም መናእሰይ  ሓላፍነታዊ ጉቡእና ክንዋፃእን  እዚ  ስርዓት ካብ ስልጣኑ ክለየሉ ዝኽእለሉ መንገዲ  እንኮ መማረፂ ዕጥቃዊ ቃልሲ  ምዃኑ ኣሚንና  ክንቃለስ ወሲንና ክብሉ ገሊፆም።

No comments:

Post a Comment