Thursday, May 25, 2017

ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ወረዳ ኣላማጣ ዝርከቡ ኣመሓደርቲ መሬት ክንህበኩም ኢና ብምባል ልዕሊ 20 ሽሕ ገንዘብ ከም ዝበልዑ ተፈሊጡ።



ብመሰረት ካብቲ ቦታ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ወረዳ ኣላማጣ ዝርከቡ ካደረታት ህወሓት ኣብቲ ከባቢ  ንዝርከቡ ብርክት ዝበሉ መናእሰያት መሬት ክንበኩም ኢና እሞ ገንዘብ ክፈሉ ብዝብል ምድንጋር ልዕሊ 20 ሽሕ ብር ካብቶም መናእሰያት ከምዝወሰዱ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ብዘይካ እዚ እቶም ኣመሓደርቲ መሬት ህዝብን መንግስትን ብሕቡእ ጉቦ እናተቐበሉ ዝዕድሉ ዘለው ኮይኖም፤ህዝቢ ወረዳ ኣላማጣ ነዞም ኣብ ምውራር መሬት ህዝቢን መንግስቲን ተዋፊሮም ዘለው ካድረታት እቲ ስርዓት ,መንግስቲ ተኸታቲሉ ግቡእ ቅፅቶም ክህቦምን ዝተወረረ መሬት ድማ ናብ ብዓል ዋና ክምለስን ተደጋጋሚ ሓቲቶም ዝሰምዕ ኣካል ከምዘይረኸቡ ኣረዲኦም።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ መላእ ትግራይ መሬት ህዝብን መንግስትን ብካድረታት ህወሓት ይውረር ምህላውን ህዝቢ ድማ ነዚ ከምዚ ዓይነት ዘይሕጋዊ ኣካይዳ ደው ንኽብል ብተደጋጋሚ መረረቱ ክገልፅ ምፅንሑ ይፍለጥ።

No comments:

Post a Comment