Thursday, May 25, 2017

ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ስልታዊ ዓፈና ካብ ዝፍፅማ ሃገራት ሓንቲ ከምዝኾነት ተሓቢሩ።



ኣብ ኢትዮጵያ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ  ስራሕተን ብግቡእ ከየሳልጣ ንምግባር ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊን ስልታዊን ምንግልታዓት እናተፈፀመን ከም ዝርከብ ካርኒግ ኢንደውመንት ፎር ኢንፎርሜሽን ፒስ ዝተሰምየ ትካል ኣብ ዙርያ እዘን ትካላት ዘካየዶ መፅናዕቲ  ምርኩስ ብምግባር ኣፍሊጡ።
ኢትዮጵያ ንትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ዝቆፃፀር ዓፋኒ ዝተብሃለ ሕጊ ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመታት ተግባራዊ ንኽኸውን ከምዘፅደቐት ዝፍለጥ ኮይኑ ፤ኣሜሪካ፤ሕብረት ኣውሮፓን ካልኦት ብርክት ዝበሉ ኣካላትን ነዚ ኣዋጅ ክቃወሙ ፀኒሖም እዮም።
ኣብ ልዕሊ እዘን ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ብስርዓት ኢህወደግ ወሪዱ ዘሎ እገዳን ቁፅፅርን ኣብታ ሃገር ሰብኣዊ መሰላት ንኸይኽበሩን ዴሞክራሲ ንኸይጉልብትን ቀጥታዊ ፅዕንቶ ምሕዳሩ ድማ እቲ ሓበሬታ የመልክት።
ኣምነስት ኢንተር ናሽናል፣ሂውማን ራይትስ ዎች፤ከምኡ እውን ፓርላማ ኣውሮፓን ካልኦት ኣካላትን እዚ ተግባራዊ ኮይኑ ዘሎ ሕጊ ንመራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት፤ጋዜጠኛታትን ትካላት ተጠባበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ኢሉ እውን ውልቀ ሰባትን ንምንግልታዕን ምእሳርን ዝዓለመ ምዃኑ ሓቢሮም።




No comments:

Post a Comment