Thursday, May 25, 2017

ኣብ ከባቢ ከተማ ባህርዳር ፍሉይ ቦታ ጭስ ኣባይ ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ቦታ ቦምቢ ድሕሪ ምፍንዳኡ ስዒቡ ኣብቲ ከባቢ ሓያል ወጥሪ ሰፊኑ ምህላው ተፈሊጡ።



ካብቲ ከባቢ ዝረኸብናዮ ዜና ከም ዘመላኽቶ ኣብ ከባቢ ከተማ ባህሪ ዳር ፍሉይ ሽሙ ጭስ ኣባይ ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ቦታ ጉንበት 14 2009 ዓ.ም ቦምቢ ድሕሪ ምፍንዳኡ ስዒቡ ኣብ  ባህሪዳርን ከባቢኣን ሓያል ወጥሪ ሰፊኑ ከም ዝቐነየ ተፈሊጡ።
እቲ ሓደጋ ቦምቢ ኣብ ልዕሊ መንበሪ ገዛ ሓደ ተለኣኣኺ ስርዓት ኢህወደግ ዘጋጠመ  ኮይኑ፤እቲ ግለ ሰብ ኣብቲ ከባቢ ንዝነብሩ ንስርዓት ኢህወደግ ዝቃወሙ ሓረስቶት ሓበሬታ እናሃበ የእስሮም ከምዝነበረ ድማ ነቲ ቦታ ቅርበት ዘለዎም ወገናት ሓቢሮም።
ከም ሓበሬታ እዞም ወገናት እቲ ኣብ መንበሪ ገዛ እቲ ግለሰብ ዝተፈንጀረ ቦምቢ ሓደ ቆልዓ ብፅኑዕ ከም ዝቖሰለ ድሕሪ ምግላፅ፤ከም ውፅኢቱ ድማ ኣብ ዙርያ እታ ከተማ ሓያል ወጥሪ ዝሰፈነ ኮይኑ ብፍላይ ድማ እቲ ከባቢ ክሳብ ዕለት 15 ጉንበት ማእለያ ብዘይብሎም ፊደራል ፖሊስ ኣዕለቕሊቑ ከም ዝነበረ ይግለፅ ኣሎ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኣብ ከተማ ባህሪዳር ቀበሌ ጉንበት 20፤ኣብ ጥቓ ልደታ ቤተክርስትያን ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ቦታ ሓደ ንግዜኡ መንነቱ ዘይተፈልጠ ውልቀሰብ ሞይቱ ከምዝተረኽበ ድማ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣገንዚቡ።

No comments:

Post a Comment