Thursday, May 25, 2017

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣጋጢሙ ካብ ዝነበረ ናይ ጉሓፍ ምድርማስ ሓደጋ ስዒቡ ንዝተመዛበሉ ዜጋታት ክሳብ ሕዚ ናይ ገንዘብን መፅለሊን ሓገዝ ከም ዘይረኸቡ ተፈሊጡ።



ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብተለምዶ ቆሼ እናተብሃለ ኣብ ዝፈለጥ ቦታ ኣጋጢሙ ካብ ዝነበረ ናይ ጉሓፍ ምድርማስ ሓደጋ ንዝተረፉ ዜጋታት ናይ ገንዘብን መፅለሊ ኣባይቲን ንኽወሃቡ ብመንግስቲ ተኣትዩዎም ዝነበረ ቃል ክሳብ ሕዚ ከም ዘይተውሃቡ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ካብዚ ብተወሳኺ እቶም ዜጋታት ናይ ኮንዶሚኔም ኣባይቲ ከም ዝተበርከተሎም ክግለፅ እኳ እንተፀንሐ፤ዛጊድ ግን ኣብ ግዝያዊ መፅለሊ ሰፊሮም ንሓደጋ ተቓሊዖም ምህላዎምን ከምኡ እውን ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ግዜ ካብ ዝረኽብዎ ዝነበሩ መግቢ ኣብዚ ሕዚ እዋን ክልተ ግዜ ጥራሕ ይረኽቡ ከም ዘለው እቶም ወገናት ንመራኸብቲ ሓፋሽ ካብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
እቲ ሓደጋ ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን ልዕሊ 130 ሰባት ድሕሪ ምህላቖም ስዒቡ ብርክት ዝበሉ መንግስታዊ ትካላት፤ሰብ ውልቀ ሃፍቲን፤ከምኡ እውን ነባሪ ህዝቢ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ካብቲ ሓደጋ ንዝተረፉ ወገናት መሊስካ እግሪ ንምትካል ብዝብል ልዕሊ 75 ሚልዮን ብር ከም ዝለገሰሎም ኣብ ግዜኡ ተገሊፁ ምንባሩ ዝፍልጥ ኮይኑ፤ይኹን እንበር እዞም ተመዛበልቲ ዜጋታት ኣብ ውሽጢ ናይ ባንኪ ኣካውንቶም ዝኾነ ይኹን ዝኣተወ ገንዘብ ከምዘየለ ገሊፆም እዮም።
እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ በቲ ሓደጋ ሽዱሽተ ቤተሰቦም ንዝሞትዎም ኣቶ ተመስገን ዝተብሃሉ ወገን ብመንግስቲ ሓገዝ ንኽግበረሎም ተኣቲዎም ዝነበረ ቃል ከምዘይረክኸቡን ካልእ ይትረፍ መዓልታዊ ምግቢ ዝረኽብዎ  እውን ካብ ኣዕርኽቶም ምኻኑን ኣረዲኦም።   



No comments:

Post a Comment