Sunday, June 11, 2017

ኣብ 12 ኣብያተ ትምህርቲ ወረዳ መረብ ለኸ ዝርከቡ ቀወምቲ ዋርድያታት ከም ማንም ሰርሕተኛ ዕረፍቲ እናተገብአና ናሃለወ ናይ ዕረፍቲ መሰልና ተኸልኪልና ክብሉ ገሊፆም።



ካብቲ ከባቢ ዝረኸብናዮ ዜና ከም ዘመላኽቶ ኣብ ዞባ ማእኸል ትግራይ ወረዳ መረብ ለኸ ዝርከቡ ኣብ 12 ኣብያተ ትምህርቲ እታ ወረዳ ብዋርድያ መልክዕ ተቖፂሮም ዝሰርሑ ወገናት ዓመት ሙሉእ ለይትን ቀትርን ብዘይ ዕረፍቲ ዋርድያ ይሕልው ከም ዘለውን  ዕረፍቲ ንኽረኽቡ ንዝምልከቶ ኣካል ተደጋጋሚ ኣመልኪቶም መልሲ ከም ዘይረኸቡን ሓቢሮም።
ንዓማውቲ ዝኣክል ለይቲን ቀትርን ብዘይ ዕረፍቲ ተሸኺልና ምስራሕና ኣብ ሕጊ ዝሰፈረ መሰል ሰራሕተኛታት ብግልፂ ዝጥሕስ እዩ ዝበሉ እቶም ዜጋታት፤ኣስዒቦም ድማ ጉዳይና ብግቡእ ተራእዩ ብዘይ ውዓል ሕደር ፍታሕ ክግበረሉ ድሕሪ ምግላፅ፤ብተወሳኺ ድማ ጉልበት ደቂ ሰባት ብዘይ ኣገባብ ምምዝማዝ ደው ክብል ከም ዝግባእ  እቶም ሰራሕተኛታት ኣትሪሮም ፀዊዖም።

No comments:

Post a Comment