Sunday, June 11, 2017

ኣብዚ ሰሙን እዚ ንምሕደራ ስርዓት ኢህወደግ ብምቁዋም ብርክት ዝበሉ መናእሰይ ናብ ክፍሊ ታዕሊም ዴምህት ከም ዝተፀምበሩ ወኪልና ካብ ክፍሊ ታዕሊም ዴምህት ገሊፁ።



ካብኣቶም ዝተወሰኑ ንምጥቃስ
ወታደር ብርዙ ጌታ ደርበ ካብ ክልል 3 ዞባ ደብረብርሃን ወረዳ ሞረትናጅሩ ጣብያ በደበጅ ዝዓዱ ኣብ መበል 17 ክፍለ ሰራዊት ቀዳማይ ረጂመንት ቀዳማይ ቦጦሎኒ 2ይ ጋንታ 1ይ መስርዕ ዝነበረ
ወለገብሪአል ተኽለማርያም ፀለቱ ካብ ክልል 6 ዞባ ኡሱስ ወረዳ 01 ጣብያ 01 ዝዓዱ
ኣድሓኖም ታደሰ ገ/ሄር ካብ ክልል 1 ዞባ ሴ.ምዕራብ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ጣብያ ዓዲ ፀፀር ቁሸት ደንበ ለኻ
ፍቓዱ ጎርፉ እምባየ ካብ ክልል 1 ዞብ ሰሜን ምዕራብ ወረዳ ላዕላይ ኣድያቦ ጣብያ ዓዲ ካሕሱ ቁሸት ዓዲ ካሕሱ
ማክቤል ታደሰ ፀጋይ ክልል ሓደ ዞብ ምዕራብ ወረዳ ቃፍታ ሑሞራ ጣብያ 04 ቁሸት ኩዳር
ዝያዳ ኣማን ሃጀገና ካብ ክልል 4 ዞባ ኣሩሲ ወረዳ ዴራ ጣብያ 02
ሓዱሽ ንጉሰ ኣስፈሃ ካብ ክልል ሓደ ዞባ ማእኸል ወረዳ መረብ ለከ ጣብያ ምሕቓን ቁሸት ኣትካሮ
ተሸመ ኪሮስ ጎይተኦም ካብ ክልል ሓደ ዞባ ማእኸል ወረዳ መረብ ለከ ጣብያ ደብረ ሓርማዝ ቁሸ ደብረሓርማዝ
ታደሰ ተስፋይ መሓሪ ካብ ክልል ሓደ ዞባ ምብራቕ ወረዳ ጋንታኣፈሹም ከተማ ዓዲግራት ቀበሌ 06  እንትኾኑ  ንሶም ናብ ዴምህት መፅዮም ንኽቃለሱ ዘገደዶም ምኽንያት ብሓባር እንትገልፁ ስርዓት ኢህወዴግ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ብዘዉርዶ ዘሎ  ዘሎ ዓፈናን መፅቀጥን ኣብ ሃገርና ብዘጋጥም ዘሎ ሰፊሕ ናይ ስራሕ ስእነትን ተማሪሮም ከም ዝኾኑ ገሊፆም።
ብፍላይ መንእሰይ ወለገብሪኤል ተኽለማርያም ከም ዝገለፆ ንሱ ናይ መላእ ህዝብታት ሓድነት ፓርቲ ኣባል ዝነብረ እንትኾን በቶም ናይቲ ስርዓት ካድረታት ብስዉር ለይትን ቀትርን ምፍርራሕን መግረፍትን ይበፅሖ ከም ዝነበረን በዝይን ካሊእን ፀገማት ተማሪሩ ድማ ንኽቃለስ ናብ ክፍሊ ታዕሊም ዴምህት ከም ዝተፀንበረ ገሊፁ።
ወታደር ብርዙ ጌታ ብወገኑ ናብ ዉትድርና  ብዘይትግበር መፅበዓ ኢህወዴግ ተታሊሉ ከም ዝኣተወን ድሒሩ ግን እቲ ዉትድርና  ዕብየትን ሞያን ዘይብሉ  ሕድሕዳዊ ምቕትታል ዝበዝሖ ብምኻኑ ተገዲዱ ናብ ቃልሲ ከም ዝኣተወ ይገልፅ።
ኣብ መወዳእታ እዞም መናእሰይ ብምህልላ ዝወድቕ ፀረ ህዝቢ ስርዓት ስለ ዘየለ መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ነቲ ዝካየድ ዘሎ ኩለ መዳያዊ ቃልሲ ኣበርክትኡ ከዕዝዝ ፀዊዖም።




No comments:

Post a Comment