Wednesday, July 12, 2017

ደም ዜጋታት ዝማፂ እቶት ግብሪ




ግብሪ ንሓንቲ ሃገር ምርኩስ ዕብየትን ለውጥን ምዃኑ ዘይከሓድ ሓቂ እዩ።ንሱ ስለ ዝኾነ እውን ኩለን ሃገራት ካብ ዜጋታት ብዝእክብኦ እቶት ግብሪን ካልእን መሰረት ብምግባር ከከም ዓቕመን በጀት እናሰለዓ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ንምክያድ ላዕልን ታሕትን ክብላ ሉሙድ ተርእዮ እዩ።
ግን ግብሪ ንሓንቲ ሃገር መሰረት ዕብየትን ምዕባለን ክበሃል እንተድኣ ኮይኑ እቲ ካብ ጅባ ዜጋታት ዝእከብ ግብሪ ፍትሓዊ፣ሚዛናዊ ሙዑሩይ መስርሕ እንትዓሲሉ እዩ።ብኡ ልክዕ ድማ ዜጋታት ካብ ባዕሎም ዝተኣከበ እቶት መሊሱ ፍትሓዊ ብዝኾነ መንገዲ ተመቓሪሑ ኣብ ረብሓ ቡዙሓት ክውዕል እንተሎ ጥራሕ እዩ።
ዜጋታት ብዝኸፍልዎ ግብሪ ተረባሕቲ እንተዘይኮይኖም ድማ ግብሪ ንዕብየት ሃገርን ህዝብን ዘይኮነስ ንረብሓ ዉሑዳት ጎሓላሉ ይውዕል ኣሎ ማለት እዩ።
እዚ ድማ እታ ሃገር ይኹን ህዝቢ ዕብየትን ምዕባለን ከየርኢ እናተዓንፀለ ምስ ዝተፈላለዩ ሽግሩ እናነበረ ዓመት መፀ ግብሪ ሃገራዊ ግዴታኻ እዩ ክፈል ተባሂሉ ብኣፍንጭኡ ክተሓዝን ዝተፈላለዩ ተፅዕኖን መቕፃዕትን ክወርዶ ምርኣይ ሉሙድ 'ዩ።
ቡዙሓት ሃገራት ግብሪ ካብ ዜግጋታተን ክእክባ ከለዋ ፍትሓዊ ተመጣጣኒ ክፍሊት ብምፍፃም ኣብ ኣጠቓቕምኡ ድማ ግልፅት ብዝመልኦ ንዜጋታተን ብምርዳእን መስርሕ ተሓታትነት ብምዕሳል ጥቡቕ ዝኾነ ቁፅፅር እናተገበረሉ ኣብ ዕብየት ሃገርን ህዝብን መሰረታዊ ለውጥን ምምሕያሽን ከመዝግባ  ይረኣያ እየን።
ኣብ ከም ሃገርና ዝበለት በዝሒ ድኻን ውሑዳት ሰበ ስልጣን ዝዕድሩላ ሃገር ግን ፍትሓውነት ፣ግልፅነት፣ ተሓታትነት ዝብሉ መስርሓት እቶት ግብሪ ከተማልእ ኣይትኽእልን።ምኽንያቱ ህዝባዊ ረብሓን ድልየትን ደርብዩ በይኑ ብግዕዚናን ብልሹው ምሕደራን ተቖማጢዑ ንህዝቢ እናሳቐየ ኣብ ስልጣን ንምቕፃል ክብል ምስ ህዝቡ እናተዳመየ ዝመፀን ዘሎን ጉጅለ ስለ ዝኾነ።
ብምዃኑ ድማ ሎሚ እቲ ግዕዚናን ብልሹው ምሕደራን ዓሲሉ ማሕለኸ ዕብየትን ለውጥን ኮይኑ እናተብሃለ እናሻዕ ዝግለፅ ዘሎ እምበኣር መሰረቱ ካብ ናይ ህዝቢ ዝእከብ ግብሪ ኣብ መዓልኡ ከይውዓለ እናተጠለፈ ናብ ኢድ ውሑዳት ጎሓላሉን በለፀኛታትን ብምውዓል ህዝቢ ድማ ንክፋእን ስደትን ክሳጣሕ ይፋረድዎ ስለ ዘሎው እዩ።
ስርዓት ኢህወደግ በብግዚኡ ህዝቢ እናንበዐ ደሙ እናመፀየ ፍትሓውነት ዝጎደሎ እቶት ግብሪ እናመዝመዘ ምምፅኡ ዝዝከር ኮይኑ ሎሚ 'ውን ከምቶም ሕሉፋት ዓመታት ነቲ ብዝተፈላለየ መንገድታት ናብ ድኽነትን ስደትን ኣቃሊዕዎ ዘሎ ህዝቢ ገንዘቡ ዘቒቑ ኣብ ውልቃዊ ጣጥኡን መገበርያ መናውሒ ዕድመ ስልጣኑን ከውዕሎ ሽርጉድ ክብል ይረአ 'ሎ።
ምእካብ ግብሪ ፍትሓውነት ክላበስ መስርሕ ተሓታትነት ክዓስል ህዝቢ ብዝኸፍሎ ሃገራዊ ግዴትኡ ኣብ ምንታይ ከም ዝወዓለ በብእዋኑ ዝከታተለሉ ወይ ድማ ሕጋዊ ቁፅፅርን ኣፍሉጦን ዝረኽበሉ ባይታ ክህሉ ይግባእ። እዚ ማለት ህዝቢ በብእዋኑ ኣብ መዓልኡ ውዒሉ ዶ ኣይውዓለን ሓበሬታ ዝረኽበሉ መስርሕ ክረክብ ኣለዎ። ምኽንያቱ ኣብ ምንጋጋ ሓራግፅ ምስ ኣተዎ ዝረኽቦ ረብሓ ስለ ዘየለ፣ኣቐዲሙ ነቶም ደም ህዝቢ ዝማፅዩ በላዕተኛታት ምሕዩ ዝድርብየሉ መንገዲ ክፈጥር ስለዝሕግዝ።
ኣይኮነን ግን ብሹም ካብ ግብሪ ዝእከብ በጀት እናደናገርካ ፣ህዝቢ እንታይ ይብል ኣሎ ከየዳመፅካ ፣በትን በዝን ተቓውሞ ኣጋጢሙና ተባሂሉ ቁሉሕ ኢልካ ንዘይትሪኦ ንመዕበሲ ኣፍ እምነ ሰረታት ምቕማጥን ህንፀት ጀሚርካ ንዓመታት ምኹላፍ ጠጠው ክብል ይግባእ።
ብመሰረቱ ድኻ እናንበዕኻን ደም እናማፀኻን ዝእከብ ፍትሓውነት ዘይብሉ እቶት ግብሪ ነቲ 10ታት ዓመታት ዘቑፀረ ሕቶ ልምዓት ህዝቢ ክምልስ ኣይክኣለን።ስለዚ ግብሪ ንህንፀት ሃገርን መምልኢ ጠለባት ህዝብን ድኣ 'ምበር ንረብሓን መጋበርያ ዕድመ ስልጣን ኢህወደጋውያን ክውዕል ኣይግባእን ብምባል፣ ነቲ ብግምት ዝእከብ ዘሎ እቶት ግብሪ ድማ ሚዛኑ ክሕዝን ፍትሓውነቱ ክዕሪ ኣሎዎ።በላዒዑ ይፈለጥ ፣ብግምት ንኸፍሎ ግብሪ ይሃስየና 'ሎ  ኣይፋል ክንብሎም ይግባእ።

No comments:

Post a Comment