Tuesday, July 25, 2017

ኣብ ወረዳ ደጉዓ ተንቤን ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ቤት ፍርዲ ንህዝቢ ግቡእ ኣገልግሎት ይህቡ ከም ዘየለው ተፈሊጡ።



ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፣ ነበርቲ ህዝቢ ወረዳ ደጉዓ ተምቤን፤ጣብያ ሚዛን፤ ኣብ ወረዳና ዝርከቡ ንህዝቢ ግቡእ ኣገልግሎት ክህቡ እዮም ተባሂሎም ዝተቐመጡ ሰራሕተኛታት ኣብያተ ፍርዲ፤ ጉቦ ብምቕባል ኣብ ግዕዝይና ስለ ዝጠሓሉ ሚዛናዊ ፍትሒ ክህቡ ኣይካኣሉን ክብሉ ገሊፆም።
ቤት ፍርዲ እቲ ወረዳ ኣብ ኣተሓሕዛ መዝገብ ዓብይ ፀገም ዘለዎ ኮይኑ፤ከም ውፅኢቱ ድማ ንህዝቢ ግቡእ ፍትሒ ክህብዎ ኣይካኣሉን ዝበሉ ነበርቲ ህዝቢ ጣብያ ሚዘን፤ብተወሳኺ ድማ ምስ መሬት ተተሓሒዙ ብዙሓት ጥርዓናት ምህላዎምን ክሳብ ሕዚ ድማ መዕለቢ ከም ዘይረኸቡን ኣፍሊጦም።
ብተመሳሳሊ ብሰንኪ ኣብቲ ወረዳ ዘሎ ዝተዛብዐ ኣውሃህባ ፍትሒ ኣብ ጣብያ ሚዛን መበገሲኡ መሬት ዝገበረ ህዝቢ ባዕሉ ንባዕሉ ይስሓሓብ ምህላውን ክሳብ ሕዚ እውን ነዚ ኣብ ሞንጎ ህዝቢ ዘጋጥም ዘሎ ግጭት ዝኣልዮ ኣካል ከም ዘይረኸበን እቶም ነበርቲ ወሲኾም ኣረዲኦም።


No comments:

Post a Comment