Saturday, December 23, 2017

ኣብ ከባቢኦም ተኾሚሩ ዘሎ ጉሓፍ ብእዋኑ ክልዓል ብዘይምኽኣሉ ንዝተፈላለዩ ሕማማት ይቃልዑ ከምዘለው ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ገሊፆም።



እቲ ኣብ ከባቢኦም ተኣኪቡ ዘሎ ጉሓፍ  ንጥዕናኦም ጠንቂ ይኸውን ስለዘሎ ንኽልዓለሎም ተደጋጋሚ ሓቲቶም ክሳብ ሕዚ ዝሰምዖም ኣካል ከምዘይረኸቡ ነበርቲ ከተማ ዲስ ኣበባ መረረቶም ኣስሚዖም።
ብሰንኪ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ሕማቕ ጨና ተንቀሳቒሶም መዓልታዊ ስርሓቶም ከየሳልጡ ተፀጊሞም ምህላዎም ዝገለፁ እቶም ዜጋታት፤ብተወሳኺ ድማ ገዛ ንገዛ እናዘሩ ጉሓፍ ዘልዕሉ ማሕበራት ኣብ ከባቢና እንእክቦ ጉሓፍ ኣየልዕሉልናን ዘለው ክብሉ ተዛሪቦም።
ኣብ መዎዳእታ ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ፣ኣዲስ ኣበባ ርእሰ ከተማ ሃገርና ኢቶጵያን ምቕማጥ ቤት ፅሕፈት ሕብረት ኣፍሪካን ምስ ምዃና ተተሓሒዙ ቡዙሕ ወፃእተኛ ዝፈሰላ ከተማ ኮይና እናሃለዎት ብኸምዚ ዓይነት ጉሓፍን ጨናን ክትብከል ምግባር ዓቡዪ ድኸመት እዩ ምስበሉ ነዚ ጠንቂ ጥዕናን ፅሬት ከተማን ኮይኑ ዘሎ ጉሓፍ ሉዑል ትኹረት ተዋሂብዎ ክነፅህ ይግባእ ክብሉ ገሊፆም።     

No comments:

Post a Comment