Saturday, December 23, 2017

ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ዝተፈላለዩ ዩኒቨርስቲታት ሃገርና ዘጋጠመ ህውከትን ዕግርግርን ስዒቡ ኣብ ልዕሊ ህይወትን ንብረትን ዝወረደ ጉድኣት ተሓታቲ ስርዓት ኢህወደግ ምዃኑ ተገሊፁ።



ስርዓት ኢህወደግ ተምሃሮ ደቅና ተረጋጊኦም ከይምሃሩ ካብ ምግባር ሓሊፉ ዝተፈላለዩ እኩይ ተግባራት እናኣለመ ህይወቶም ክሓልፉን ኣካሎም ድማ ክጎድልን ይገብር ኣሎ ክብሉ ነበርቲ ከተማ ጎንደር ኣብዚ ቅንያት እዚ ተዛሪቦም።
እቲ ግጭት ሕዚ እውን መሊኡ ከምዘይዓረፈን ደቆም ይመሃሩ ዘይኮኑ ዘለውስ ካብ ቀፅሪ ዩኒቨርስቲ ከይወፁ ብፌደራል ፖሊስ ተኸቢቦም ይሕለው ምህላዎም ዝገለፁ እቶም ነበርቲ፤ብተወሳኺ ድማ ሕዚ ዘለናዮ እዋን ንምምሃር ምስትምሃር ዝዕድም ሃዋህው ስለዘይኮነ እቲ መማረፂ ናብ ገዛኻ ምምፃእ እዩ ኢሎም ደቆም ይሕብርዎም ምህላዎም ገሊፆም።
ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሃገርና ካብ ውልቀ ሰባት ጀሚሩ ክሳብ ላዕለዎት ትካላት ሃገርና ዝካየድ ዘሎ ሓያል ግጭት ጠንቁ ህወሓት ኢህወደግ ከምዝኾነ ድሕሪ ምሕባር፤ እዚ ኣፀያፊ ተግባራት ናይቲ ስርዓት ድማ ብጣዕሚ ከምዘሕዘኖም ነበርቲ ከተማ ጎንደር ኣረዲኦም።
ስርዓት ኢህወዴግ ብሄር ምስ ብሄር እናጋጨወ ዜጋታት ነንባዕሎም ዘስእን ተግባራቱ ደው ከብሎ እዩ ኢልካ ምሕሳብ ስለዘይክኣል ኩሉ ወዲ ዜጋ ብዘይ ኣፈላላይ ሓድነት ፈጢሩ ኣብ ልዕሊ እቲ ስርዓት ዘየዳግም ስጉምቲ ክወስድ ይግባእ ክብሉ እቶም ነበርቲ ፀዊዖም።



No comments:

Post a Comment