Friday, January 5, 2018

መጎዓዝያ ባቡር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብምኽንያት ሕፅረት ባጀት ናይ ኤሌትሮኒክስ ትኬት ከቕርብ ብዘይምኽኣሉ ኣብታ ከተማ ግቡእ ኣገልግሎት ይህብ ከም ዘየለ ተሓቢሩ።



  ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ 2008 ዓ.ም ብ41 ባቡራት ግቡእ ኣገልግሎት ክጅምር እዩ ተባሂሉ ዝነበረ መጉዓዝያ ቀሊል ባቡር ብምኽንያት ኣጋጢምዎ ዘሎ ሕፅረት ናይ ኤሌትሮኒክስ ትኬት ክሳብ ሕዚ ግቡእ ኣገልግሎት ይህብ ከም ዘየለ ናይታ ከተማ ነበርቲ ገሊፆም።
  ኮርፖሬሽን መጉዓዝያ ባቡር ከተማ ኣዲስ አበባ ናይ ትኬት ቁፅፅር ዘበናዊ ብምግባር ንነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ስሉጥ ዝኾነ ኣገልግሎት መጉዓዝያ ክጅምር ከም ዝኾነ ሓቢሩ ምንባሩ ይዝከር። ይኹን ‘ምበር እቲ ኣገልግሎት ትራንስፖርት ፀገም ስርዓት ኣከፋፍላ ከም ዘለዎ ተሓቢሩ።
  ኣገልግሎት መጉዓዝያ ባቡር ክሳብ ሕዚ ትኬት ኢድ ብኢድ ካብ ምሻጥ ኣይወፀን ዝበሉ እቶም ነበርቲ፤ ትኬት ናይ ኤሌክትሮኒክስ ንኸይመፅእ ቀንዲ ፀገም ኮይኑ ዘሎ ናይ ትኬት ማሽን ንምትካል ብርክት ዝበለ ገንዘብ ስለ ዝሓትትን ብምኽንያት ሕፅረት ባጀት ድማ ክጓተት ከም ዝኸኣለን ተፈሊጡ።

No comments:

Post a Comment