Friday, January 5, 2018

13 ኣብረርትን ላዕለዎት ሰብ ሞያ ሓይሊ ኣየርን ኢትዮጵያ ንስርዓት ወያነ ራሕሪሖም ከም ዝጠፍኡ ይግለፅ ኣሎ።



  ብመሰረት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ፤ 13 ኣብረርትን ሰብ ሞያን ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ዝሰርሑሉ ዝነበሩ ሞያ ራሕሪሖም ከም ዝተሰወሩ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
  እቶም ካብ ሃገር ወፂኦም ጠፊኦም ዘለው ኣብረርትን ሰብ ሞያን ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ናበየናይ ሃገር ከም ዝኸዱን ዝርዝር መንነቶም ድማ ንድሕንነቶም ተባሂሉ ንግዜኡ ምግላፅ ከም ዘይክኣለ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።
  እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኣብዚ ሕዚ እዋን ደብረዘይቲ ብተኹሲ ትናወፅ ምህላዋ ዝገለፁ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር፤ ስርዓት ወያነ ኣብዚ ግዜ እዚ ብህዝባዊ ዓመፅ ተወጢሩ ኣብ ዘለሉ እዋን ናይ መጨረሻ ዝተኣማመነሉ ዝነበረ ሓይሊ ኣየሩ ከምዚ ዓይነት ሓደጋ ክገጥሞ ምኽኣሉ ናይቲ ስርዓት ዕንወት ብግልፂ ዘርኢ እዩ ክብሉ ዝተፈላለዩ ወገናት ኣብ ምግላፅ ይርከቡ።
  ኣብ ዘመነ መግዛእቲ ስርዓት ወያነ ብቑፅሪ ይኹን ብዓይነት ኣባላት ሓይሊ ኣየር እቲ ስርዓት ክጠፍኡ ናይ መጀመርያ ምዃኑ እናተገልፀ እንትኾን፤ ከምኡ ‘ውን እቲ ክስተት ድሕሪ ምፍፃሙ ኣብ ውሽጢ ስርዓት ኢህወደግ ሓያል ራዕዲ ፈጢሩ ምህላው ተፈሊጡ።




No comments:

Post a Comment