Friday, January 5, 2018

ፈለስቲ ዋልድባ ኣብ ውሽጢ ቤት ማእሰርቲ ቅሊንጦ ሓያል በደል ይበፅሖም ከም ዘሎ ተገሊፁ።



   ገዳም ዋልድባ ክሕረስ የብሉን፤ ቤተ እግዚኣብሄር እዩ፤ ብምባል ካብ 2004 ዓ.ም ጀሚሩ ክሳብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ብምኻድ ንእምነቶም ክብሉ ክቃለሱ ፀኒሕም እዮም።
  ካብ ኣርባዕቲኦም ናይቲ ገዳም ተወከልቲ ዝኾኑ ኣባ ገብረእየሱስ ኪዳነማርያምን ኣባ ገብረ ስላሴ ወልደሃይማኖትን ነዚ ሕቶ’ዚ ብሕጋዊ መንገዲ ስለ ዝሓተቱ ጥራሕ ብናይ ሓሶት ክሲ ተኸሲሶም ኣብ እሱር ተዳጒኖም እናተሳቐዩ ይርከቡ።
  ፀረ ህዝቢ ስርዓት ወያነ ነዞም ዝኾነ ኣበሳ ዘይብሎም ናይ ሃይማኖት ኣቦታት ምስ ኣሸበርቲ ርክብ ኣለኩም ብዝብል ጠቐነ ኣብ ውሽጢ ቤት ማእሰርቲ ቅሊንጦ ሓያል ድብደባ ከም ዝተፈፀሞም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፤ ብዘይካ'ዚ ድማ ኣብ ውሽጢ እቲ ቤት ማእሰርቲ ናይ ምንኩስና ኣልባሳትኩምን ቆቢዕኹምን ኣውፅዎ፤ እንተዘያውፂእኹምዎ ናብ ቤት ፍርዲ ኣይንወስደኩምን እናተብሃሉ ይግፍዑ ምህላዎም ተገሊፁ።
  ብተወሳኺ እቶም መነኩሴታት ተኣሲሮምሉ ዘለው ቦታ ፀልማት ስለ ዝኾነ ኣዒንቶም ንሕማም ተቓሊዑ ከም ዘሎን ብፍላይ ድማ ኣባ ገብረእየሱስ ኪዳነማርያም ዓይኖም ተጎዲኦም ምህላዎም ተፈሊጡ።
   እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ነዞም መነኩሴታት ንምርኣይ ካብ ገዳም ዋልድባ ንዝመፁ ፈለስቲ ከም ዝኸልከልዎምን ካብኡ ሓሊፉ ‘ውን ብኣባላት ፖሊስ ቤት ማእሰርቲ ቅሊንጦ ሓያል ምፍርራሕን ምንግልታዕን ይበፅሖም ምህላው ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት።



No comments:

Post a Comment