Saturday, January 13, 2018

ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል እቲ ስርዓት ዝነበሩ ዜጋታት ሃገር ብምኽዳዕን ናይ ሽብር ገበን ኣብ ምፍፃምን ተሳቲፍኩም ኢኹም ብዝብል ተኸሲሶም።



ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ንምሕላው ዝተዉሃቦም ሓላፍነት ገዲፎም ኣባላት ተቓወምቲ ዉድባት ብምዃን ተልእኾ ብምፍፃሞምን ካልኦት 'ዉን ክምልምሉ ተንቀሳቂሶም ዝተብሃሉ ሓሙሽተ ኣባላት ሰራዊት እቲ ስርዓት ናይ ሽበራ ገበን ፈፂምኩም ተባሂሎም ክሲ ተመስሪትዎም።
እቶም ተኸሰስቲ ናይ ደቡባዊ ምዕራብ ኣባላት ከም ዝኾኑን ኣብ ክልል ሶማል ፍሉይ ስሙ ካሉብ ነዳጅ ማውጫ ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ከባቢ ተመዲቦም ይሰርሑ ከም ዝነበሩ ናይ ፈደራል ሓፈሻዊ ዓቃቢ ሕጊ ዝመስረተሎም ክሲ ኣረዲኡ።
እዞም ብሽበራ ገበን ዝተኸሰሱ ዜጋታት ወታደር ኢብራሂም ጉሬ። ምኽትል ኣስራለቃ እስክንድር አደም፣ አሥር አለቃ ሽመልስ ብርሃኑ፣ ወታደር ጫላ ኢሳን ወታደር ሀብታሙ ፋናን ከም ዝኾኑን ኩሎም ተኸሰስቲ ናይ ክልል ሶማል ቆራኔ ደብወይኒ ነበርቲ ከም ዝኾኑ ኣብቲ ዝቐረበ ክሲ ተሓቢሩ። ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ዴሞክራሲ ይንገስ ኢሎም ንዝተቃወሙ ዜጋታት ኣሸበርቲ እናበለ ከም ዝኣስርን ከም ዝቐትልን ተደጋጋሚ ይግለፅ።

No comments:

Post a Comment