Friday, March 16, 2018

ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ብዘይ ብቑዕ ምኽንያት ናይ ዋጋ ወሰኽ ገይሮም ዝበሎም ብዙሓት ናይ ንግዲ ትካላት ዋላ እንተዓሸገ ኣብ ምግብን ምግቢ ተንከፍ ኣብ ዘይኮኑ ሸቐጣትን ናህሪ ዋጋታት ብዝበኣሰ መልክዑ ይቕፅል ኣሎ ተባሂሉ።



  ናይ ከተማ አዲስ አበባ ፋይናንስን ኢኮኖሚያዊ ልምዓትን ቢሮ ካብ 2009 ክሳብ 2011 ዓ.ም. ተግባራዊ ንክኸውን ዘዳለዎን ብካቢኔ ዝፀደቐ ናይ ማእኸላይ ግዜ ናይ ወፃኢ ደረት ትልሚ ኣብ 2010 ዓ.ም. እቲ ናህሪ ዋጋታት ብሸሞንተ ሚኢታዊ ከም ዝኸውን ተንብዩ ነይሩ። ኮይኑ ግን ናይ ማእከላይ ስታትስቲክስ ኤጀንሲ ዘውፀኦ ናይ ወርሒ ለካቲት ናይ ዋጋ ናህሪ 15.6 ሚኢታዊ ምዃኑ ምስ ተገንዘበ ናይ ኣዲስ ኣበባ ናህሪ ዋጋ ኣብ ተመሳሳሊ ደረጃ ከም ዝርከብ ሓበሬታታት የመላኽቱ።
  ኣብቲ ዝተወደአ ወርሒ ለካቲት በርበረ ንኪሎ ክሳብ 150 ብር፣ ጣፍ ክሳብ 33 ብር፣ ናይ ሽሮ እኽሊ ክሳብ 40 ብር፣ ናይ ንሁግ ዘይቲ ብሊትሮ ክሳብ 80 ብር፣ ንዕዳጋ እንትቐርቡ ሽኮርን ስርናይን ኣብ ዕዳጋ ሕፅረት ከም ዝነበረ ንምፍላጥ ተኻኢሉ። እቲ ኤጀንሲ ብዘውፀኦ ሓበሬታ መሰረት ናህሪ ዋጋታት ኣብ ወርሒ ጥሪ ካብ ዝነበሮ ናይ 2.5 ሚኢታዊ ወሰኽ ኣለዎ። ብፍላይ ጥራምረ፤ኣትክልን ፍረታትን፤ በርበረን ቅመማ ቅመምን ብዘይተለመደ ኩነታት ኣብዚ ዝተጠናቐቐ ወርሒ ብ50 ሚኢታዊ ወሰኽ ምርኣዩ ተገሊፁ።
  ናብዚ ብተወሳኺ ምግቢ ተንከፍ ኣብ ዘይኮኑ ሸቐጣት፤ ናይ ህንፃ ኣቑሑ፤ ኣልባሳት፤ ናይ ገዛ ኣቑሑ፤ ናይ ሆቴል ምግብታት፤ ናይ ጥዕና ወፃኢታት  ብዋጋ ንሂሮም ከም ዘለዉ ተፈሊጡ።  

No comments:

Post a Comment