Friday, March 16, 2018

ኣብ ኣዲስ አበባ ዝለዓለ ናይ ፀጥታ ቁፅፅር ይካየድ ከም ዘሎን ኣብታ ከተማ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ንምንቅስቓስ ኣፀጋሚ ኮይኑ ከም ዘሎን ተሓቢሩ።



  ናይታ ከተማ ነበርቲ ከም ዝገለፁዎ፣ ናይ ፖሊስ ደንቢ ክዳን ዝተኸደኑን ዘይተኸደኑን ኣባላት ፖሊስ ናይቲ ሕብረተሰብ ምንቅስቓስ እግሩ እግሩ ይከታተሉዎ ከም ዘለዉን፣ ብቀበሌ ዝተመልመሉ ሓበሬታ ኣቐበልቲ በቢከባቢኡ ከም ዝተበተኑን እቶም ነበርቲ ገሊፆም። እታ ከተማ ኣብ ከምዚ ዓይነት ኩነታት ንክትኣቱ ዝግበረሉ ምኽንያት ድማ ህዝባዊ ተቓዉሞታት ክለዓል ይኽእል እዩ ካብ ዝብል ስግኣት ናይቲ ገዛኢ ስርዓት ከም ዝኾነ ተገሊፁ።
  ኣብ አዲስ አበባ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ኮይንኻ ምቕማጥ ወይ ሻሂ ቡና ምባል ውን ክልክል እናኾነ ይመፅእ ከም ዘሎ ዝገለፁ ነበርቲ ናይታ ከተማ፤ ኣብ እንዳ ጫት ከይተረፈ ክትትል ከም ዝግበር ገሊፆም። ቅድሚ እቲ ህፁፅ ናይ ግዜ ኣዋጅ እንተኾነ ውን ኣብ ዓፈና ዝርከብ ናይ ኣዲስ ኣበባ ነባሪ ድሕሪ እቲ ኣዋጅ ድማ ኣብ ዝኸፍአ ናይ ጭቆና ኣርዑት ንኽኣቲ ከም ዝተገበረ ምንጭታት የረድኡ።
  እቲ ገዛኢ ስርዓት ናይቶም ነበርቲ ዕለታዊ ምንቅስቓስ ብዝበለፀ ዝከታተለሉን ሓበሬታ ዝእክበሉን ኣብ በቢቀበሌኡ ብዝተበተኑ ካድረታት እንትኸውን፤ ሲቪል ዝተኸድኑ ናይ ፖሊስ ኣባላት ውን ናይ ስለያ ስራሕ ከም ዝሰርሑ ይገልፁ። ብመሰረት ሓበሬታ ናይቶም ነበርቲ ምሽይ ክብል እንከሎ ድማ  ኣብታ ከተማ ጥብቂ ናይ ፀጥታ ቁፅፅር ዝግበር እንትኸውን ሃንደበታዊ ተፍትሽ ወሲኹ ካልኦት ተግባራት ከም ዝከናወኑን እቲ ህዝቢ ድሕሪ ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ ኣብ ድርብ ዓፈና ከም ዘሎ ተፈሊጡ።   

No comments:

Post a Comment