Saturday, March 31, 2018

ናብ ኬንያ ዝስደዱ ኢትዮጵያውያን ቁፅሪ ከም ዝወሰኸ ተገሊፁ።



ኣብ ሞያሌ ዝተፈፀመ ሞት ተኸቲሉ ናብ ኬንያ ዝስደዱ ኢትዮጵያውያንቁፅሪምውሳኹ ዓለም ለኸ ቀይሕ መስቀል ኣፍሊጡ።
መንግስቲ ስደተኛታት እናተመለሱ ምዃኖም  ዋላ እንተገለፀ ዓለምለኸ ቀይሕ መስቀል ኣብዝሓለፈ ሰሙናት ከምዘፍለጦ በቢ መዓልቱ 500 ሰባት እናተሰደዱ ናብ ኬንያ ይኣትዉ ከምዘለዉ ገሊፁ። 
እቲ ፀገም ምስተፈጠረ ኣብ መጀመርታ ሰለስተ መዓልትታት 8 ሽሕን 200 ሚኢትን ኢትዮጵያውያን ከም ዝተሰደዱ ዘዘኻኸረ ዓለምለኸ ቀይሕ መስቀል ኣብዝቕፅሉ 3  መዓልትታት ቁፅሪ ዝስደዱ ናብ 15 ሽሕ ክብ ከምዝብል ኣፍሊጡ።
ናይ ሕቡራት መንግስትታት ናይ ስደተኛታት ጉዳይ ዝለዓለ ኮምሽንን ናይ ኬንያ ቀይሕ መስቀልንናይ ስደተኛታት ጉዳይ ቤትፅሕፈት ብዝበሮም ዝገባኣብወርሒ መጋቢት ጥራሕ ካብ ሞያሌ ምስ ሞት ተኣሳሲሩ ዶብ ኣቛሪፆም  ናብ ኬንያ ዝኣተዉ ኢትዮጵያውያን ቁፅሪ ክሳብ ዝሓለፈ  ሰሙን  10  ሽሕን 557  ከምዝበፅሐ ኣረዲኡ። ሓደሓደ ስደተኛታት ድማ ጥሪቶም ከይገደፉ ሒዘምወን ከምዝተሰደዱ ወሲኹ ሓቢሩ።
እዙይ ድማ  600  ኣግማል ፣ 2 ሽሕን  852  ኣላሕምን ኣቡዕርን ፣ 700  ኣባጊዕን ኣጣልን ከምኡእ ውን  55 ኣእዱግ ሒዞም ዶብ ተሻጊሮምና ብኬንያ ምእታዎም ተገሊፁ።
ናይዓለም ለኸ ቀይሕ መስቀል ከም ዝገለፆኣብ ዝሓለፉ 15 መዓልትታት ናብ ኬንያ ካብ ዝኣተዉ ኢትዮጵያውያን ውሽጢ  615 ነብሰ ፁራት እንትኾና  940 ድማ ሓራሳት ኣዴታት ከም ዝኾና ኣፍሊጡ። ዕድመኦም ካብ 5 ዓመት ንታሕቲ ዝኾኑ ህፃናት ቁፅሪ ድማ 1 ሽሕን 478 ከምዝኾነ ተፈሊጡ ። 125  ህፃናት ድማ ወላዲ ኮነ መዕበይ ዘይብሎም ከም ዝተሰደዱካ ብቲ ሓቤሬታ ንምርዳእ ዝተኽኣለእን ትኸውን  176  ድማ ዓበይቲ ከም ዝኾኑ ተገሊፁ።

 

 

 

 

 

No comments:

Post a Comment