Friday, March 16, 2018

ኣብ ሞያሌ ዝተፈፀመ ጨፍጫፍ ብስሕተት እዩ ተባሂሉ በቲ ኮማንድ ፖስት ዝተውሃበ መግለፂ ፈፂሙ ተቐባልነት የብሉን ክብሉ ናይ ኦሮሚያ ክልል መንግስቲ ኣፍሊጡ። ኣብ ሞያሌ ናይ ሰራዊት ወንጀል ተፈፂሙ ክብል ድማ ጠንካራ መርገፂ ከም ዝሓዘ ተፈሊጡ።



  ናይቲ ክልል ፍትሒ ቢሮ ናይ ኮሚኒኬሽን ሓላፊ አቶ ታዬ ደንደአ ንጀርመን ድምፅ ሬዲዮ ከም ዝገለፁዎ እቲ ዝተፈፀመ ጨፍጫፍ ብስሕተት ከም ዘይኮነ ሓበሬታ ኣሎ፣ ነቲ መቕተልቲ ዝፈፀሙ ጥራሕ ዘይኮኑስ ናይ ምክልኻልን ኮማንድ ፖስትን ኣዘዝቲ ‘ውን ብሕጊ ተሓተቲ ክኾኑ ይግበኦም ይብሉ አቶ ታዬ ደንደአ።
  ናይ ፌደራል ፖሊስ ኮሚሽን ኣብ ልዕሊ ናይ ቄሮ መናእሰይ ምርመራ ምጅማሩ ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፣ ናይ ኦሮሚያ ክልል መንግስቲ ግን ሓሶት ምዃኑ ብምግላፅ ምርመራ እንተድልዩ ውን ፌደራል ፖሊስ እንታይ ኣእትዩዎ ዝብል መርገፂ ከም ዝሓዘ ዝዝከር እዩ። ኣብዚ ሰሙን ኣብ ሞያሌ ዝተኸሰተ ህልቂት ብዝምልከት ናይቲ ኮማንድ ፖስት ሴክሬተሪያት ዝሃቡዎ ምላሽ ከምቲ ልሙድ መንግስቲ ኦሮምያ ውድቂ ገይሩዎ ኣሎ።
  ናይቲ ሴክሪተርያት ተወካሊ ሌቴናል ጄነራል ሃሰን ኢብራሂም ካብ 10 ንላዕሊ ሰባት ብግፍዒ ንዝተጨፍጨፉሉ ተግባር ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፣ እቲ ጉዳይ ብጌጋ ዝተፈፀመ እዩ ስጉምቲ ውን ክንወስድ ኢና ምባሎም ዝለዓለ ቁጠዐ ፈጢሩ እዩ።   
  እቲ ዝተፈፀመ ብጌጋ ከም ዘይኮነ ኢና ንኣምን ዝበሉ ኣብ ኦሮምያ ክልል ናይ ፍትሒ ቢሮ ናይ ኮምኒኬሽን ሓላፊ አቶ ታዬ ደንደአ ሓደ ሓዲኦም ተንበርከኹ ተባሂሎም መቕተልቲ ከም ዝተቐተሉ ንጀርመን ድምፅ ሬዲዮ ገሊፆም።  

No comments:

Post a Comment