Friday, March 16, 2018

ናይ ኢህወዴግ ስራሕ ፈፃሚት ኮሚቴ ኣኼባ፣ ውጥረት ብዝተመልኦ ኩነታት ክካየድ ከም ዝቐነየ ተገሊፁ።



   ሓድሽ ጠቅላይ ሚኒስትር ናይ ምምራፅ ከይዲ ብዝፈጠሮ ጭቕጭቕ ጠቅላይ ሚኒስተር ናይ ምስያም ከይዲ ንዘይተወሰነ ግዜ ንክናዋሕ ሓሳብ ከም ዝቐረበ ውን ተፈሊጡ። ብናይ ህወሓት ሰባት ከምኡ ውን ካብ ብኣዴን ኣቶ በረኸት ስምኦንን ተኸተልቱን ብሓደ ብምዃን ንኦህዴድ የጥቅዑ ከም ዘለዉ ሓበሬታታት ይገልፁ።
  ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ዝጀመረን ናይቲ ገዛኢ ፓርቲ ኣቦ ወምበር ምምራፅ ብዋናነት ኣጀንዳ ዝገበረ ናይ ኢህወዴግ ስራሕ ፈፃሚት ኮሚቴ ኣኼባ፣ ከምቲ ትፅቢት ዝተገበረሉ ናይቲ ውድብ ኣቦ ወምበር ነቲ ናይቲ ፓርቲ ቤት ምኽሪ  ምቕራቡን ዘይምቕራቡን ኣጠራጣሪ ኮይኑ ይርከብ። ደንጉዮም ዝወፁ ዘለዉ ሓበሬታታት ከም ዘመላኽቱዎ ጠቅላይ ሚኒስትር ናይ ምምራፅ ኩነታት ንዘይተወሰነ ግዜ ንክናዋሕ ብኣቶ በረኸት ስምኦን ዝቐረበ ሓሳብ ተቐባልነት እናረኸበ መፅዩ እዩ።  
  አቶ በረከት ዘቕርቡዎ እዚ ናይ ጠቕላይ ሚኒስተር ምርጫ ግዜ ናይ ምንዋሕ ሓሳብ ብዉሑዱ እቲ ህፁፅ ናይ ግዜ ኣዋጅ ክሳብ ዝውዳእን ክሳብ ናይ ኢህወዴግ ጉባኤ ከም ዝፀንሕን ተፈሊጡ።

 


No comments:

Post a Comment