Thursday, May 31, 2018

ኣብዚ ሰሙን'ዚ ብርክት ዝበሉ ሓደሽቲ መናእሰይ ናብ ክፍሊ ትምህርትን ስልጠናን ዴ.ም.ህ.ት ተፀንቢሮም። ካብኣቶም ኣስማቶም ንምጥቃስ ዝኣክል ድማ፣



- ሙላው ጎይቶኦም እምባየ፣ ካብ ዞባ ሴ/ምዕራብ፣ ወረዳ ኣስገደ ፅንብላ፣ ጣብያ ደብረ ኣባይ ዝዓዱ፣
- ፍፁም ኣብራሃ ገ/መድህን፣ ካብ ዞባ ማእኸል፣ ወረዳ ዓድዋ፣ ጣብያ ሎጎምቲ
- ኣብራሃም ገ/ሄር፣ ካብ ዞባ ማእኸል፣ ወረዳ ኣሕፈሮም፣ ጣብያ ሆያ መደብ ዝዓዱ፣
- ፅጋቡ መድህን በርሀ፣፣ ካብ ዞባ ምብራቕ፣ ወረዳ ኢሮብ፣ ጣብያ ዓገረ ለኹማ፣
- በላይ ኣሸናፊ ታምሩ፣ ካብ ክልል ኣምሓራ፣ ዞባ ጎጃም ደባርቕ፣ ወረዳ ብቸና ጣብያ ቅድስጊ፣
- ኣለሙ ርስቀይን ተስፋሁን ነጠረን ክልቲኦም ካብ ዞባ ምዕራብ፣ ወረዳ ቃፍታ ሑሞራ፣ ጣብያ ዓዲ ሕርዲ፣
- ሕሸ የማነ ደስታ፣ ካብ ዞባ ማእኸል ወረዳ ኣሕፈሮም፣ ጣብያ ሆያ መደብ እንትኾኑ፣ እቶም መናእሰይ ንቃልሲ ዘለዓዓሎም ምኽንያት እንትገልፁ፣ ኣብዚ ሐዚ ግዜ ስርዓት ኢህወዴግ ዝፈጠሮ ናይ ሰላም ምንጋዕ ስለ ዘጋጠመ ዜጋታት ካብ ቦታ ናብ ቦታ ተንቀሳቒሶም ናይ ምስራሕን ምንባርን ኢኮኖምያዊ ተጠቃምነቶም ስለ ዝተጓደለን ብሄራት ናብ ሕድሕድ ግጭት ናይ ምምራሕ ተርእዮታት ስለ ዘሎን፣ ንሕና ድማ ናይዚ ፀገም ተጠቃዕቲ ስለ ዝኾንና ነቲ ስርዓት ብቓልስና ካብ ስልጣን ንምጉሓፍ ናብ ዴምህት ተፀንቢርና ክንቃለስ ወሲንና ክብሉ ገሊፆም።
  እቶም መናእሰይ ወሲኾም ከም ዝገለፁዎ፣ ኣብዚ ሐዚ ግዜ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ህወሓት ዝነበሮ እምነት ሙሉእ ብሙሉእ ስለ ዝተሸርሸረ ናብ ዝተፈላለዩ ውድባት ብምውሓዝን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ድማ ዝተፈላለዩ ማሕበራት እናቋቛመ ንዝለዓለ ህዝባዊ ቃልሲ ይዳሎ ከም ዘሎ ኣረዲኦም።

No comments:

Post a Comment