Thursday, May 31, 2018

ካብ ክልል ኦሮሞ ዞባ ቡኖ በደሌ ወረዳ ደጋ ዝተፈናቐሉ ካብ 900 ንላዕሊ ናይ ክልል ኣምሓራ ተወለድቲ ኣብ ዝኸፍአ ፀገም ከም ዘለዉ ተገሊፁ።



  እቶም ተፈናቐልቲ ኣብ ሞንጎ ወልድያን ጭሮራን ዝርከብ ሃሮ ተባሂሉ ዝፅዋዕ በረኻ ዝሰፈሩ እንትኾኑ፣ ናብ ካሊእ ቦታ ከይንቀሳቐሱ ብምክልኻል ሰራዊት ይሕለዉ ከም ዘለዉ ተሓቢሩ።
  እቲ ከባቢ ደረቕ ብምዃኑን ማይ ብዘይምርካቦምን ህፃናት ንሕማማት እናተቓልዑ ምዃኖም ካብቲ ቦታ ዝተረኸበ ሓበሬታ እንትገልፅ፣ እቶም ተፈናቐልቲ ድማ ኣብ ዘበነ ስልጣን ስርዓት ደርግ ብ1972 ብመልክዕ ሰፈራ ከም ዝኸዱ ይዛረቡ።
  ኣብቲ ዝነበሩዎ ቦታ ንዘመናት ይቕመጡሉ ከም ዝነበሩን ሃፍትን ንብረትን ወኒኖም ብሰላም ይነብሩ ከም ዝነበሩን ኣብቲ ቦታ ዝተረኸበ ተዓዛቢ እንትዛረብ፣ ካብ ኣሊባቡር ናይ ኣምሓራ ተወለድቲ ምፍንቓል ኣብ ሓሙሽተ ወረዳታት ዝተፈጠረ እንትኸውን፣ ናይ ቡና በደሌ ግና ዝኸፍኣ ከም ዝኾነ ተገሊፁ። እቶም ተፈናቐልቲ ድማ ብፖሊስ ተኣሲሮም ድሕሪ ምፅነሖም ጥቅምቲ  9/2010 ዓ/ም ሐዚ ናብ ዝርከብሉ ኣብ መንጎ ወልድያን ጭሮን ኣብ ዝርከብ ሃሮ ኣብ ዝበሃል ንኽሰፍሩ ከም ዝተገበረ ተሓቢሩ።
  እቶም ዝተፈናቐሉ ነቶም ተዓዘብቲ ከም ዝተዛረብዎም ኣብቲ ሐዚ ዘለውዎ ቦታ ካብ ዝተገበረሎም ሓገዝ ካብ ሰለስተ ኪሎ እኽሊ ወፃኢ ካሊእ ክሳብ ሐዚ ምንም ዓይነት ሓገዝ ከም ዘይተገበረሎምን ምንም ዘዛራረቦም ከም ዘየለን እንትዛረቡ፣ ብኻሊእ ወገን ድማ እቲ ከባቢ ደረቕ ብምዃኑ ማይ ንምርካብ ንዝለዓለ ስቓይ ተቓሊዕና እንትብሉን፣ ብፍላይ ድማ ህፃናት ብምኽንያት ማይ ሕፅረት ንዝኸፋአ ስቓይን ሕማምን እናተቓልዑ ከም ዝርከቡ እቶም ተዓዘብቲ ይዛረቡ።

 




No comments:

Post a Comment